Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ከተማ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ስሩዕ ኣኼቡኡ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ከካይድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥሪ፣ 2012 (ኢፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ከተማ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ 7ይ ዓመት ዘበን ስራሕ 2ይ ስሩዕ ኣኼቡኡ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ከካይድ ኢዩ።

እቲ ስሩዕ ኣኼባ ንሰለስተ መዓልቲታት ከምዝካየድ ቤት ፅሕፈት እቲ ቤት ምኽሪ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ኣኼባ፥ ኣፈፃፅማ ትልሚ ሽዱሽተ ወርሒ በጀት ዓመት 2012 ዓ.ም በቲ ከተማ ምምሕዳር ዝተመረፁ ክልተ ቢሮታትን ነቲ ቤት ምኽሪ ተፀዋዕቲ ዝኾኑ ትካላትን ኣድሚፁ ከፅድቕ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ዝተፈላለዩ ኣዋጃትን ፍሉያት ሽመታትን ቀሪቦም ዘተ ምስተገበረሎም ከምዝፀድቁ እውን ተገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.