Fana: At a Speed of Life!

ቤት ትምህርቲ ቴክኒክ ኲናት ኣዋሽ  ሰብ ሞያታት ሜካናይዝድ ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ትምህርቲ ቴክኒክ ኲናት ኣዋሽ  ብዝተፈላለዩ ሙያታት ንዘሰልጠኖም ሰብ ሞያታት ሜካናይዝድ ኣመሪቑ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምርቓት ዝተረኸቡ ሓላፊ ዋና መምርሒ ስልጠናን ትምህርትን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሌተናል ጀኔራል ይመር መኮንን፥ ቤት ትምህርቲ ቴክኒክ ኲናት ኣዋሽ  ንሰራዊት ምክልኻል ክፍሊ ሜካናይዝድ ብስልጠናታትን ትምህርትን ብቑዓት ብዓል ሞያታት ምፍራይ ቀንዲ ልእኽትኡ ምዃኑ ገሊፆም።

ብተወሳኺ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት፥ ኢትዮጵያ ኣብ ዝደፈረሉ እዋን ዓዉደ ብዙሕ ልእኽቶታት ብምፍፃም ሃገር ንምድሓን ሓላፍነቱ ብብቕዓት ተዋፂኡ እዩ ኢሎም።

ንቐፃሊ ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ሜካናይዝድ ክፍሊታት ብኣድህቦ ንምስራሕ ቆራፅ እዩ ክብሉ ወሲኾም ገሊፆም።

ተመረቕቲ  ሜካናይዝድ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ ላእላዉነት ሃገር ምሕላዉ ኣብ ዘኽእሉ ስልጠናታት ምዉሳዶም ዋና ኣዛዚ እቲ መሰልጠኒ  ቤት ትምህርቲ ኮሎኔል ባላው ምንተስኖት ገሊፆም።

እቶም ተመረቕቲ ብግደኦም፥ ኣብ ፃንሒት ስልጠነኦም ሞያዊ ዓቕሚ ምፍጣሮም ብምሕባር፤ ንቐፃሊ ዝወሃቦም ሃገራዊ ልእኽቶ ብብቐዓት ክዋፅኡ ከምዝኽእሉ ኣረጋጊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.