Fana: At a Speed of Life!

ቤት ዕዮ ተቖፃፃሪ ስራሕቲ በዓል መዚ ኮንስትራክሽን ተጣይሹ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዓውዲ ህንፀት ንዝረአ ፀገም ንምፍታሕ ይሕግዝ ኢዩ ዝተብሃለሉ ቤት ዕዮ ተቖፃፃሪ ስራሕቲ በዓል መዚ ኮንስትራክሽን ከምዝተጣየሸ ተገሊፁ።

እቲ ሓዱሽ ቤት ዕዮ ኣብቲ ሴክተር ዘሎ ፀገም ንምቕራፍን ድኽመታቱ ብግቡእ ካብ ምፍላይን ሓሊፉ ናይቶም ፕሮጀክታት ፀገም ብምፍላይ መፍትሒ ንምቕማጥ ከምዘኽእል እውን ተሓቢሩ።

ብተወሳኺ፥ ንዓውዲ ህንፀት ናብ ቅኑዕ ቁመና ንምምላስን ዝህነፁ ፕሮጀክታት ብመሰረት ዝተትሓዘሎም ስምምዕነት ውዕሊ ክዛዘሙ ናይ ምግባር ሓላፍነት ኣለዎ ተባሂሉ።

ምክትደል ዋና ዳይሬክተር እቲ በዓል መዚ ኣይተ ማተቤ ኣዲስ ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት፥ ኣብቲ ዓውዲ ዝረኣዩ ፀገማት ምፍላይን ምፍታሕን ቀዳማይ ዕላማ ናይቲ ትካል ምዃኑ ተዛሪቦም።

እቲ ትካል ዓበይቲ ፕጀክታት ህንፀት ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝርከቡሉ ቁመና ብምርኣይ ስራሕቲ ቁፅፅር ምጅማሩ ገሊፆም።

ኣብቲ ዓውዲ ዝረኣዪ ፀገማት ምስ መዳርግ ኣካላት ብምዃን ናይ ሓባር መፍትሒ ብምቕማጥ፣ ናይ ኣሰራርሓ ጉድለት ዘለዎም ሕጊታት ስራሕቲ ምምሕያሽ ንኽግበረሎም ምስራሕ ተግባር እቲ ትካል ከምዝኸውን እውን ኣብሪሆም።

እቲ ትካል ተጣይሹ ናብ ስራሕ ምእታው፥ ኣብ ስራሕቲ ንድፊ ዝረኣዩ ተደጋገምቲ ጌጋታትን ንምዕባለ እቲ ዓውዲ ማሕለኻ ዝኾኑ ፀገማትን ብምፍላይ መፍትሒ ንምቕማጥ ከምዝሕግዝ ተኣሚኑሉ ኣሎ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.