Fana: At a Speed of Life!

ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ምስኣን ሕጋዊ ሰውነት ኢህወዴግ ብዝምልከት ውሳነ ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ምስኣን ሕጋዊ ሰውነት ናይ ኢትዮጵያ ህዝቢታት ወያናይ ዴሞክራሲያዊ ግምባር (ኢህወዴግ) ብዝምልከት ውሳነ ኣመሓላሊፉ።

እቲ ቦርድ ኣብቲ ዛዕባ ኣድሂቡ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፥ ኢህወዴግ ብኣቦ ወምበሩ ኣቢሉ ናብቲ ቦርድ ብዝለኣኾ ደብዳቤ እቲ ግምባር ከምዝፈረሰ ምግላፁ ሓቢሩ።

ብኣንፃሩ ድማ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ብኣቦ ወምበሩ ብዝተፅሓፈ ደብባቤ፥ እቲ ግምባር ብምፍራሱ ክፍፍል ሃፍቲ ብዝምልከት ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ውሳነ ንኽህበሉ ሕቶ ከምዘቕረበ ኣብ መግለፁኡ ኣፍሊጡ።

ምፍራስ እቲ ግምባር ናይ ምውሳን ስልጣን ናይ ቦርድ መረፃ ብምዃኑ ግምባሩ ይኹን ህወሓት ኢህወዲግ ከምዝፈረሰ ምግላፆም ኣግባብነት ዘይብሉ ዋላ ይኹን እምበር ክልቲኦም ኣቦ ወምበራት ዘቕረቡዎም ናይ ፅሑፍ ሕቶታት መሰረት ብምግባር እቲ ግምባር ክፈርስ ዶ ይግባእ ወየወስ ኣይግባእን? እንተፈሪሱኸ እንታይ ውፅኢቱ ኣለዎ ብዝብል እቲ ቦርድ መርሚሩ ውሳነ ሂቡ ኣሎ።

እቲ ቦርድ፥ ሰለስተ ፓርቲታት ኣባላት እቲ ግምባር ካብቲ ግምባር ብምውፃእ ሓዱሽ ውሁድ ፓርቲ ምምስራቶም ኣመሰራርታ ፓርቲ ብልፅግና ካብ ዘርኢ መዝገብ ክርዳእ ከምዝኸኣለ ገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ግምባር ኢህወዴግ ብዕሊ ምፍራሱ እቲ ቦርድ ብሙሉእ ድምፂ ምውሳኑ ኣፍሊጡ።

ምፍራስ እቲ ግምባር ስዒቡ ድማ፥ እቲ ቦርድ ናይ ኢህወዴግ ንብረት ብዝምልከት ውሳነ ምሃብ ከምዘድሊ ምርድኡ ኣብሪሁ።

ስለዝኾነ ኣባል ውድብ ኢህወዴግ ዝነበሩ ሰለስተ ፓርቲታት ማለት እውን ኦዴፓ፣ ኣዴፓን ደኢህዴንን ብልፅግና ዝበሃል ፓርቲ ምምስራቶም፣ ብኻሊእ ወገን ድማ ህወሓት ህልውንኡ ሓሊዩ ዝፀንሐ ፓርቲ ስለዝኾነ፥ ሕጊ መሰረት ብምግባር ኣብ ሞንጎ ብልፅግናን ህወሓትን ክፍፍል ሃፍቲ ኢህወዴግ ምግባር ከምዝግባእ እቲ ቦርድ ክርዳእ ከምዝኸኣለ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ንብረት ኢህወዴግ ብዝምልከት እዞም ዝስዕቡ ውሳነታት ኣመሓላሊፉ፦

  1. ብልፅግናን ህወሓትን ሃፍቲን ሒሳብን ኢህወዴግ ዘፃሪ ኣካል ብሓባር ንኽስይሙ፣
  2. ብሽም ኢህወዴግ ዘሎ ዝኾነ ይኹን ዕዳ ተፃሪዩ ንኽኽፈል፣
  3. ዕዳ ምስተኸፈለ ዝተረፈ ሃፍቲ እቲ 75 ሚኢታዊ ናይ ፓርቲ ብልፅግና(ሰለስቲኦም ኣባል ውድባት ኢህወዴግ ውሁዳት ስለዝኾኑ) እቲ 25 ሚኢታዊ ድማ ናይ ህወሓት ብፅሒት ምዃኑ ተፈሊጡ ንዑኡ መሰረት ብምግባር ክፍፍሎም ንኽዛዝሙ፣
  4. ኣብ ላዕሊ ዝተፀርሑ ተግባራት ሕጊ መሰረት ብምግባር ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ወርሒ ንኸፍልጡ ተወሲኑ ኣሎ።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.