Fana: At a Speed of Life!

ብሄራዊ ኣተሓሕዛ ስርዓት ሓበሬታ ምሕደራ መሬት ገፀር ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 07 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስቴር ሕርሻ ብሄራዊ ኣተሓሕዛ ስርዓት ሓበሬታ ምሕደራ መሬት ገፀር ዕላዊ ገይሩ።

እቲ ሓዱሽ ኣተሓሕዛ ስርዓት ሓበሬታ ምሕደራ መሬት፥ ደረጅኡ ዝሓለወን ዘመናዊ ኣሰራርሓ ዘቀላጥፍን ምዃኑ ሚኒስትር ዲኤታ ሕርሻ ዶክተር ካባ ኡርጌሳ ተዛሪቦም።

ቅድሚ ሕዚ እናተሰርሐሉ ዝፀንሐ ትሕዝቶ መሬት ባህላዊ፣ ሓበሬታ ኣብ ወረቐት ጥራሕ ዝቕመጥ፣ ኣንፈት ጥራሕ ዝሕብርን በዓል ቤትነት መሬት ደቂ ኣንስትዮ ዘየረጋግፅን ከምዝነበረ ተገሊፁ።

ምሕደራ መሬት ሓበሬታ ብፅሬት ንምርካብ ኣፀጋሚ ከምዝነበረ እውን ተሓቢሩ።

እቲ ሓዱሽ ስርዓት፥ ዘመናዊ ሜላ ቅየሳ ብምጥቃም ካርታ፣ ቦታታት ሕርሻን ካልኦት ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ሓበርቲ ነገራት ዘርኢ ምዃኑ ተገለፁ።

ፀብፃባት፣ ትንተናታት ከምኡ እውን ብዛዕባ ፍርያት መሬት ብቐሊሉ ንምፍላጥን ስርዓት ኣከፋፍላ ግብሪ ንምቅልጣፍን ዝሕግዝ ስርዓት ኢዩ ተባሂሉ።

ስለዝኾነ እቲ ሓዱሽ ስርዓት ብምጥቃም ናይ ኩለን ክልላት ቦታታት ሕርሻ ምሕንፃፅ፣ ምምዝጋብ ከምኡ እውን ሰረተፊኬት ምሃብ ስለዝግባእ ኣብቲ ዓውዲ ዝተዋፈሩ ኣካላት ግንዛበ ሕብረተ ሰብ ብምስፋሕ ካብ ንድፈ ሓሳብ ናብ ተግባር ክኣትዉ ከምዝግባእ ተሓቢሩ።

ሕብረተሰብ ኣጠቓቕማ መሬት ብኣግባቡ ብምፍላጥ ኢኮኖሚያዊ ረብሑኡ ንምሕያል ብዕቱብ ክሰርሕ ይግባእ ምባሉ ካብ ሚኒስትር ሕርሻ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.