Fana: At a Speed of Life!

ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ 2 ሺሕን 332 ተሃነፅቲ ሕጊ ብይቕሬታ ንምፍታሕ ወሲኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ለካቲት፣ 2012(ኤፍ.ቢ.ሲ)ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ 2 ሺሕን 332 ተሃነፅቲ ሕጊ ብይቕሬታ ንምፍታሕ ከምዝወሰነ ቢሮ ፀጥታን ምምሕዳርን እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ቢሮ ፀጥታን ምምሕዳርን ክልል ትግራይ ኣይተ ተኪኡ ምትኩ፥ እቲ ውሳነ መበል 45 ዓመት ፅምብል በዓል 11 ለካቲት ምኽንያት ብምግባር ከምዝኾነ ገሊፆም።

ካብ’ቶም ይቕሬታ ዝተገበረሎም እተን 46 ደቂ ኣንስትዮ ከምዝርከበኦም እውን ሓቢሮም።

ይቕሬታ ዝተገበረሎም ተሃነፅቲ ሕጊ፥ ነቲ ዝበደሉዎ ወገኖም ብዝግባእ ክኽሕሱን ትግራይ ኣብዚ እዋን ገጢሙዋ ንዘሎ ተፃብኦታት ፀኒዖም ክምክቱን ትፅቢት ይግበር እውን ኢሎም።

ካብ’ቶም ብይቕርታ ዝተፈትሑ ተሃነፅቲ፥ ኣብ መዓስከራትን ኣብ ካልኦት ከባቢታት ትግራይን ዝተፈላለዩ ገበናት ፈፂሞም ክህነፁ ዝፀንሑ 25 ኤርትራውያን ከም ዝርከቡዎም ኣይተ ተኪኡ ኣፍሊጦም።

ኣይተ ተኪኡ፥ እዚ ውሳነ ከም መቐፀልታ ናይቲ መንግስቲ ትግራይ ምስ ኤርትራውያን ኣሕዋቱ ብሰላምን ብፍቕርን ንምንባር ብተደጋጋሚ ዘቕርቦ ዘሎ ፃውዒት ሰላም መርኣዪ ተገይሩ ዝውሰድ ‘ዩ ኢሎም።

ይቕሬታ ዝተገበረሎም ተሃነፅቲ ኣብ ቤት ህንፀት ኣብ ዝነበሮም ፃኒሒት ስነ ሰርዓቶም ዝተስተኻኸለን ብገበኖም ዝተጠዓሱን እዮም።

በዚ እውን ሕጊ መምርሒ ይቕሬታ ተሃነፅቲ ስለ ዘማልኡ ብይቕሬታ ንክፍትሑ ከምዝተወሰነ ተሓቢሩ።

ብዮናታን ግዛቸው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.