Fana: At a Speed of Life!

ብሄራዊ ፕሮግራም ልምዓት ስርናይ ኢትዮጵያ ብመግቢ ዓርስኻ ናይ ምኽኣል ገልፂ ራእይ ብምሓዝ እንተተሰሪሑ ዓወት ከምዝምዝገብ መርኣያ ኢዩ-ዶ/ር ፍፁም ኣሰፋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ፕሮግራም ልምዓት ስርናይ ኢትዮጵያ ብመግቢ ዓርስኻ ናይ ምኽኣል ገልፂ ራእይ ብምሓዝ እንተተሰሪሑ ዓወት ከምዝምዝገብ መርኣያ ኢዩ ክብላ ሚኒስትር ፕላንን ልምዓት ፌደርኢ ዶ/ር ፍፁም ኣሰፋ ገሊፀን።

እተን ሚኒስትር ምስ ሲ ኤን ኤን ኣብ ዝነበረን ፃንሒት፥ ብብርኪ ዓለም ዘጋጠመ ናህሪ ዕዳጋ ነዳዲ ከም ኣብ ኢትዮጵያ ዝበላ ሃገራት ዘለዎ ፅዕንቶ ዝጎልሀ ከምሖነ ሓቢረን ።

ብለበዳ ቫይረስ ተዳኺሙ ዝነበረ ኢኮኖሚ ናይታ ሃገር ካብ ጉድኣቱ እተይሓወየ ኣብ መንጎ  ሩሲያን ዩክሬን ዝተወለዐ ጎንፂ ናብ ተወሳኺ ካሊእ ጎንፂ አምሪሑ እዩ ዝበላ እተን ሚኒስተር፥ ብቐንዱ ድማ ቀረብ ነዳዲን  ምስስን ፍሪያትን ምትዕንቓፉ እናወሰኸ ንዝመፀ ዝቕባበ ዋጋ ናይ ዓርሱ ግደ አለዎ ኢለን።

ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ወሰኽ ዕዳጋ ናይ ቐረባ እዋን ዘጋጠመ ተይኮነስ ንዘመናት ዝፀንሐ  ፀገም ምንኣስ  መፍረያይነትን ዕዳጋ ንሕንሕን  አብዚ ሐዚ በፂሕዎ ዘሎ ብርኪ ንክበፀሕ ዝኸኣለ እዩ ክብላ ኣዘኻኺረን።

እቲ ፀገም ካብ ስሩ ንክፍታሕ መንግስቲ መሪሕ ትልሚ ዓስርተ ዓመት ሓንፂፁ ኣብ ምንቅስቓስ ከምዝርከብ እውን ሓቢረን።

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ዘይምርግጋእን ዓለም ለኸ ፅዕንቶ ቁጠባን ፈተንቲ እኳ እንተኾኑ፥ እዚኦም ኩሎም ኣብ ግምት ውሽጢ ብምእታው ዝተዳለወ ትልሚ እቶም ፀገማት ንምፍታሕ ከም ዝሕግዝ ኣብሩሀን።

ብቐንዱ ኣብ ሕርሻን ሕርሻ ዝመርሖ ብስፍሓት ብምስራሕ መፍረያይነት ንምዕዋት እቲ መሪሕ ትልሚ ከምዝሕግዝን ዝለዓለ ግደ ከምዝህልዎን አተምቢሀን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.