Fana: At a Speed of Life!

ብልዕሊ ብር 1 ነጥቢ 3 ቢልዮን ዝህነፅ ዘሎ መንገዲ ኣስፋልት ዉቕሮ፣ እንዳ ኣብርሃ ወ ኣፅበሃ ነበለት 70 ሚእታዊ ስራሕቱ ከም ዝተወገነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብልዕሊ ብር 1 ነጥቢ 3 ቢልዮን ዝህነፅ ዘሎ መንገዲ ኣስፋልት ዉቕሮ-እንዳ ኣብርሃ ወ ኣፅበሃ-ነበለት 70 ሚእታዊ ስራሕቱ ከም ዝተወገነ ተገሊፁ።

ኣብ ሱር ኮንስትራክሽን ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ዉልቀ ማሕበር ኣካያዲ ስራሕ ፕሮጀክት መንገዲ ኣስፋልት ዉቕሮ – እንዳ ኣብርሃ ወ ኣፅበሃ – ነበለት ኣይተ ሃይላይ ገብረስላሴ፥ 88 ኪሎ ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ እቲ ህንፀት መንገዲ፤ ፌደራል መንግስቲ ብዝመደቦ 1 ነጥቢ 3 ቢልዮን ቕርሺ እናተሃነፀ ከምዝርከብ ኣገንዚቦም።

እቲ መንገዲ ኣስፋልት ኣብ ዉሽጢ ሰለስተ ዓመታት ህንፀቱ ንምዝዛም ዉዕሊ ዝተኣሰረ ምዃኑ ዝገለፁ ኣይተ ሃይላይ፥ ዛጊድ 70 ሚኢታዊ ህንፀት እቲ ፕሮጀክት ተሰላሲሉ ከም ዘሎ ኣብሪሆም።

ኣብ ቀረባ እዋን ካብ እንዳ ኣብርሃ ወ ኣፅብሃ ሓዉዜን ኣብ ዝወስድ መንገዲ ብሓደጋ ዝፈረሰ ነባር ድልድል ሩባ ስሉሕ ካብን ናብን ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ ትራፊክ ፅልዋ ከየሕድር ተለዋጢ መንገዲ ብሱር ኮንስትራክሽን ተፀሪጉ መኻይን እናተንቀሳቐሳ ከም ዝርከባ እውን እቶም መካየዲ ስራሕ ገሊፆም።

እቲ ፀገም ብዘላቕነት ንምፍታሕ ድማ እቲ ድልድል ኣካል ፕሮጀክት እቲ ህንፀት መንገዲ ኣስፋልት ብምዃኑ፥ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ጉንቦት 2012 ዓ.ም ሃኒፅካ ብምዝዛም ንግልጋሎት ክበቅዕ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።

እቲ ኣብ ከይዲ ህንፀት ዝርከብ 88 ኪሎ ሜትሮ መንገዲ ኣስፋልት 74 ኪሎ ሜትሮ ካብ ዉቕሮ ናብ እንዳ ኣብርሃ ወ ኣፅበሃ ብኡ ኣቢሉ ድማ ንነበለት ዝወስድ ኮይኑ፥ ዝተረፈ 6 ኪሎሜትሮ ድማ ኣብ ውሽጢ ጎደናታት ከተማ ዉቕሮ ዝሳለጥ ከም ዝኾነ ኣይተ ሃይላይ ገሊፆም።

ፍልፍል፦ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.