Fana: At a Speed of Life!

ብልዕሊ 2.5 ቢሊየን ብር ዝተሃነፀ ፕሮጀክት መስቀል ኣደባባይ ፅባሕ ክምረቕ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብልዕሊ 2.5 ቢሊየን ብር ዝተሃነፀ ፕሮጀክት መስቀል ኣደባባይ ፅባሕ ክምረቕ ኢዩ።

እቲ ፕሮጀክት ቅድመ ሐዚ ዝወሃብ ዝነበረ ሃይማኖታዊ፣ ህዝባዊን ካልኦት ማሕበራዊ ምድላዋትን ተሓሳቢ ብምግባር ዝሓሸ ኣገልግሎት ንምሃብ ብዘኽእል ዝተሃነፀ ኢዩ።

ፕሮጀክት መስቀል ኣደባባይ ክሳብ  1 ሺሕን 400 ተሽከርከርቲ ደው ዝብላሉ ህንፀት ወሽጢ መሬት ስማርት ፓርኪንግ ኣለዎ።

ብተወሳኺ 35 ሹቓት፣ 140 መንፅህን 20 መሕፀቢ ነብስን ከምኡ ውን ንቢሮ ዝኾኑ ክፍልታት፣ 6 ዘመናዊ ሊፍቲታት፣  ካሜራታት ድሕንነት፣ ዘመናዊ ዲጂታል ስክሪናትን መከላኸሊ ሓደጋ ሓዊን ከምዘለውዎ ካብ ፕሬስ ሴክሬታሪያት ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እቲ ህንፀት ሰነ 2012 ዓ.ም ዝተጀመረ እንትኸውን፥ 2 ቢሊየንን 589 ሚሊየንን 800 ብር ወፃኢ ከምዝተገበረሉ ተገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.