Fana: At a Speed of Life!

ብመንፈስ ዓወት ዓድዋ ንሃገርና ኢትዮጵያ ናብ ብራኸ ክነሰጋግራ ኢና – ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብመንፈስ ዓወት ዓድዋ ንሃገርና ኢትዮጵያ ናብ ብራኸ ክነሰጋግራ ኢና ክብላ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ገሊፀን።

ናይ ሓባር ፀገማት ብሓባር ንምፍታሕ ዘኽእል ብሄራዊ መድረኽ ልዝብ ኣብ ፓርክ ሸገር ይካየድ ኣሎ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ተረኺበን መደረ ዘስመዓ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ፥ “ሃገርና ናብ ዝሐሸ ብራኸ ንምብፃሕ ብሓባር ምስራሕ የድሊ” ኢለን፡፡

ከም ሃገር ዘለዉና ፀገማት ንምፍታሕ ሓበራዊ መፍትሒ ከምዘድሊ እውን ኣገንዚበን፡፡

እተን ፕሪዚዳንት ብመንፈስ ሰዓራይነትን ፅንዓትን ዘይንወፅኦ ፀገም ኣይህሉን ኢለን፡፡

ሚኒስትር ሰላም ሙፈሪያት ካሚል፥ ክሳብ ሕዚ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝተገበረ መድረኽ ዘተ ውፅኢታዊ ነይሩ፤ ካብ ጣቢያ ክሳብ ፌዴራል ዘለዉ ፀገማት ከምዝተለዓሉን ንዘሐሸ ምርድዳእ ዝሐሸ ውፅኢት ተረኺቡዎ ከምዝተረኸቦን ገሊፀን።

እቲ መድረኽ ብዴስቲኒ ኢትዮጵያን ሚኒስቴር ሰላምን ዝተዳለወ ኢዩ፡፡

“ስልጡን ዘተ ንሓዱሽ ተስፋ ምዕራፍ” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ እናተሳለጠ ዝርከብ እቲ መድረኽ ዘተ፥ ልዕሊ 1 ሺሕን 200 ሰባት እናተሳተፉ ይርከቡ፡፡

ሎሚ መዓልቲ ሓዊሱ ንሰለስተ መዓልቲታት ዝካየድ እቲ መድረኽ ከም ሃገር ዘለዉ ናይ ሓባር ፀገማት ብምፍላይ ሓበራዊ መፍትሒ ኣብ ምትእልላሽ ትኹረት ክግበር ኢዩ ተባሂሉ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.