Fana: At a Speed of Life!

ብማሕበራት ሕብረት ስራሕ ሸመትቲ ልዕሊ 201 ሚሊየን ብር ዕድጊት ተፈፂሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መስከረም፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ማሕበራት ሕብረት ስራሕ ሸመትቲ ኣብ በዓል ሓዱሽ ዓመት ልዕሊ 201 ሚሊየን ብር ዕድጊት ከምዝፈፀሙ ኤጀንሲ ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

እተን ሕበረት ስራሕ ማሕበራት ኣብ ክልላት ምስ ዝርከባ አንዱስትሪታት ሕሻ ብዝተፈጠረሎም ቀጥታ ምትእስሳር ዕዳጋ ንሕብረተሰብ ብተመጣጣኒ ዋጋ ፍርያት ንኸቕርቡ ከምዝተገበረ ዳይሬክተር ኮሙዩኒኬሽን ኣይተ ጥላሁን ጌታቸው ገሊፆም።

በዚ ድማ 95 ሚሊየን ብር ፍርያት ሕርሻ፣ 9 ሚሊየን እንስሳትን ውፅኢት እንስሳን፤ 97 ሚሊየን ብር ዘውፅኡ ፍርያታት ኢንዱስትሪ ድማ ካብ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ቀጥታ ምትእስሳር ዕዳጋ ብምፍጣር ናህሪ ዕዳጋ ብምንካይ ኣብ ትሕቲ እቶም ማሕበራት ዘለዉ ኣባላቶምን ንሕብረተሰብ ከምዘቕረቡ ተዛሪቦም።

ኣብ ቀፃሊ እውን እቶም ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ኣብ ክልላት ምስ ዝርከቡ ኢንዱስትሪታት ሕርሻ ብምትእስሳር ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝረአ ናህሪ ዕዳጋ ብዘላቕነት ንምንካይ ብፍሉይ ትኹረት እናተሰርሐ ከምዝርከብ ኣይተ ጥላሁን ምዝራቦም ካብ ፕሬስ ሴክሬታሪያት ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሐበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.