Fana: At a Speed of Life!

ብምትሕብባር ማሕበር ባንኪታት ኢትዮጵያ “ሓደ ሳእኒ ንሓደ ተምሃራይ” ብዝብል ልዕል 35 ሚሊየን ብር ደገፍ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣16 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብምትሕብባር ማሕበር ባንኪታት ኢትዮጵያ “ሓደ ሳእኒ ንሓደ ተምሃራይ” ብዝብል ልዕሊ ብር 35 ሚሊየን ደገፍ ተገይሩ።

ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ፥ እተን ባንኪታት ፃውዒት ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብምቕባል ንዝገበርኡ ደገፍ አመስጊነን።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከባ ባንኪታትን ትካላት ኢንሹራንስን ኢኮኖሚ እቲ ከተማ ብምንቅስቓስን ልምዓት ንክቀላጠፍ ኣብ ምግባርን ይሕግዛ ኣለዋ ኢለን።

ብመሰረት እዚ 18 ባንኪታት፣ ሰራሕተኛታት ባንኪ ኣዋሽን ትካል መድን ኢትዮጵያን ብሓፈሻ ብር 35 ሚሊየንን 330 ሺሕን 711 ደገፍ ከምዝገበሩ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.