Fana: At a Speed of Life!

ብምክትል ሚኒስትር ፍትሒ ቱርኪ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ስራሕ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብምክትል ሚኒስትር ፍትሒ ቱርኪ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ስራሕ ገይሩ።

ኣብ ሞንጎ መንግስታት ኢትዮጵያን ቱርኪን ዘሎ ክልተኣዊ ምትሕብባር ሕጊን ፍትሒን ኣብ ዝጠናኸረሉ ኩነታት ንምዝታይ ኢዩ ብምክትል ሚኒስትር ፍትሒ መንግስቲ ቱርኪ ያኩፕ ሞጉል ዝምራሕ ሓሙሽተ ኣባላት ዘለዉዎ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ስራሕ ገይሩ ዘሎ፡፡

እቲ ጉጅለ ልኡኽ÷ ምስ ሚኒስቴር ፍትሒ ጌዲዮን ጢሞቴዎስን ምስ ሚኒስትር ዲኤታ ኣይተ ኣለምኣንተ ኣግደውን ተራኺቦም ተዛቲዮም፡፡

ኣብቲ እዋን ዘተ÷ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 10 ጉንበት 2022 ዝተፈረሙ ብገበን ዝድለዩ ሰባት ኣሕሊፍካ ምሃብን ኣብ ጉዳያት ገበን ሓበራዊ ምትሕብባር ሕጊ ሰነዳት ስምምዕ፤ ብመንፅር እተን ሃገራት ሰልጣን ብዘለዎም ኣካላት ኣቢሎም ክፀድቁን ተግባራዊ ዝኾኑሉ ኩነታን ትኹረት ዝገበረ ኢዩ ተባሂሉ።

ብተመሰሳሊ ኣብ ጉዳይ ህንፀት ዓቕሚን ምርመራ ፍሮንሲክን ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ነሓሰ 2022 ዝተፈረሙ ሰነዳት መረዳድኢ ተግባራዊ ንኽኾኑ፤ ክስርሑ ብዛዕባ ዝግብኡ ስራሕቲ ከምኡ እውን ኣብ ካልኦት ዛዕባታት ጉዳያት ሕጊን ህትሒን እውን ተዛቲዮም።

ኣባላት እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ፓርክ ሓድነትን ዋና ቤት ዕዮ ሚኒስቴር ፍትሒን ዑደት ምክያዶም እውን ካብቲ ሚኒቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.