Fana: At a Speed of Life!

ብምኽንያት ሕፅረት ኦክሲጅን ተሓከምቲ ንምሕጋዝ ከምዝተፀገመ ሆስፒታል ቅዱስ ጳውሎስ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሜዲካል ኮሌጅ  ሚሌኒየም ሆስፒታል ቅዱስ ጳውሎስ ብምኽንያት ሕፅረት ኦክሲጅን ተሓከምቲ ንምሕጋዝ እናተፀገመ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እቲ ሆስፒታል ዘጋጠሞ ሕፅረት ኢክሲጅን ስዒቡ ቅድም ክብል ንካልኦት ሆስፒታላት ይወሃብ ዝነበረ ቀረብ ከምዘቋፀ እውን ተሓቢሩ።

ፋሲሊቲ መሃንዲስ እቲ ሆስፒታል ኣይተ ሰለሞን ሸዋንግዛው፥ኣብዚ ሕዚ እዋን ለበዳ ኮቪድ-19 እናተበኣኣሰን ቁፅሪ ሕሙማት እውን እናወሰኸ ብምምፅኡ ንደለይቲ ኦክሲጅን ተሓከምቲ ፈተና ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

እቲ ዘጋጠመ ሕፅረት ንምፍታሕ ኣብቲ ማእኸል 24 ሰዓት እናተሰርሐ ይኹን እምበር እቲ ፀገም ንምቅላል ኣስጋኢ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

እቲ ፀገም በዚ እንተቐፂሉ ኦክሲጅን ዘድሊዮም ተሓከምቲ ምሕካም ኣብ ዘይከኣለሉ ብርኪ ክበፅሕ ይኽእል ኢዩ ዝብል ስግኣት ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ሕብረተሰብ እቲ ፀገም ዘተሓሳስብ ከምዝኾነ ብምግንዛብ ተቓላዕነት ኮቪድ-19 ንምንካይ ጥንቃቐ ንኽገብር ኣተሓሳሲቦም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.