Fana: At a Speed of Life!

ብሪታኒያ ምስ ኣፍሪካ ዘለዋ ንግዳዊ ርክባት ንምሕያል ዝዓለመ ምቕናስ ቀረፅ ክተካይድ ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሪታኒያ ምስ ድኻ ሃገራት ዘለዋ ንግዳዊ ርክባት ንምሕያል ዝዓለመ ካብተን ሃገራት ኣታዊ ኣብ እትገብሮም ኣማኢት ዓይነታት ፍሪያታት ዝፀንሐ ቀረፅ ከምእተጉድሎ ገሊፃ።

እቲ ካብ መጀመርታ ናይ ዝመፅእ ሓድሽ ዓመት ፈረንጂ ጀሚሩ ተግባራዊ ዝኸውን መደብ ምቕናስ ግብሪ፥ ካብ ምህርቲታት ምግቢ ክሳብ ዓለባ ዝሓውስ እዩ ተባሂሉ።

ብመሰረት እቲ ትልሚ “ንግዲ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት” ዝተሰመየ ውጥን 99 ምኢታዊት ካብ ኣፍሪካ ዝኣቱ ፍሪያት ካብ ቀረፅ ናፃ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ከም ክዳውንቲ ጫማን ምግብን ዝኣመሰሉ ኣብ ብሪታንያ ብበዝሒ ዘይፈርዩ ምህርትታት ኣብቲ መደብ ዝተጠቓለሉ እንትኾኑ፥  65 ሃገራት ተረባሕቲ  እቲ ዕድል ክኾና እየን ተባሂሉ ክብል ቢቢሲ ፀብፂቡ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.