Fana: At a Speed of Life!

ብቕንፀላ ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ ዝተጠርጠሩ ጥላሁን ያሚን ኣብዲ ኣለማየሁን ቤት ፍርዲ ቀሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ነሓሰ፣ 2012 ( ኤፍ.ቢ.ሲ)ምስ ቕንፀላ ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ ብዝተተሓሓዘ ዝተጠርጠሩ ጥላሁን ያሚን ኣብዲ ኣለማየሁን ትማሊ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም።

22 ሰነ 2012 ዓ.ም ምሸት ከባቢ ሰዓት 3 ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ ምቕንፃሉ ስዒቡ፥ ብገበን ቅንፀላ ዝተጠርጠሩ ጥላሁን ያሚን ኣብዲ ኣለማየሁን ንሳልሳይ ግዘ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም።

መርማሪ ፖሊስ ቅድሚ ሕዚ ዝተውሃቦ ተወሰኽቲ 8 መዓልቲታት ዝሰርሖም ስራሕቲ ዝገለፀ ይኹን እምበር፥ ብዋንኡ ኣብ ልዕሊ ብቕንፀላ ዝተጠርጠሩ ውልቀ ሰባት ምርመራ ጀሚሩ ኣሎ።

ርክብ ስልኪ ዝምልከት ቃል ምቕባል ምጅማሩ እውን ኣፍሊጡ።

ካብ ዝተፈላለዩ ትካላት ሓበሬታ ምትእኽኻብ፣ ካብ ኢትዮ ቴሌኮም ዝተልኣኸ መልእኽቲ ስልኪ ሰፊሕ ስለዝኾነ ስራሕቲ ትንተና እናሰርሕ ከምዝኾነ ኣገንዚቡ።

ካብ ኢድ ተጠርጠርቲ ዝተረኸቡ ስልኪታት ናብ ብሄራዊ ድሕንነት ሓበሬታ ብምልኣኽ ካልኦት ስራሕቲ ምርመራ እናሰርሐ ከምዝርከብ ገሊፁ።

ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝተሰርሐ ስራሕ ወፃእ እንታይ ዝተፈለየ ውፅኢት ተረኺቡ ብምባል ካብ ቤት ፍርዲ ንዝቐረበ ሕቶ፥ ኣብ ድሕሪት ተጠርጠርቲ ዘለዉ ካልኦት ተጠርጠርቲ ከምዘለዉ ዘመላኽቱ ሓበሬታ ከምዝረኸበ መርማሪ ፖሊስ ሓቢሩ።

ብድሕሪ እቲ ዝተፈፀመ ገበን ዝተቐነባበረ ገበን ምህላዉ ንምፍላይ እናሰርሐ ከምዝርከብ ዝገለፀ መርማሪ ፖሊስ፥ ንተወሳኺ ምርመራ 14 መዓልቲ ይፈቐደለይ ክብል ንቤት ፍርዲ ሓቲቱ።

ተጠርጣሪ ጥላሁን ያሚ ብግድኡ እቲ ተልእኾ ብዛዕባ ዝሃቦ ኣካል ትኽክለኛ መረዳእታ ንምዝራብ ንቤተሰቡ ሓላዋ ንክግበር ሕቶ ኣቕሪቡ።

ካልኣይ ተጠርጣሪ ኣብዲ ኣለማየሁ እውን ናይ ኢደይ ካቴና ይፈተሐለይ ክብል ሓቲቱ።

መርማሪ ፖሊስ ድማ ተደጋጋሚ ፈተነ ዓርሰ ቅትለት ምፍፃሙ ስዒቡ እቲ ካቴና ከምዝተገበረ ገሊፁ።

ቀዳማይ ተጠርጣሪ ድሕንነቱ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ውሽጢ ክፍሊ ምርመራ ክፀንሕ ከምዝተገበረ እውን መርማሪ ፖሊስ ኣብሪሁ።

ቤት ፍርዲ ድማ ተወሳኺ ምርመራ ከምዘድሊ ኣብ ግምት ብምእታው 11 መዓልቲ ብምፍቃድ ውፅኢቱ ንምርኣይ ን12 ነሓሰ 2012 ዓ.ም ተለዋጢ ቆፀሮ ሂቡ።

ብታሪክ ኣዱኛ
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.