Fana: At a Speed of Life!

ብቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ኣብ ምዕራባዊ ዞባ ጉጂ ዝተሃነፀ መበል 12 ቤት ትምህርቲ ተመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኦሮሚያ ምዕራባዊ ዞባ ጉጂ ወረዳ ሱሮ ቡርጉዳ ዝተሃነፀ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኢፋ ሱሮ ቡርጉዳ ሎሚ መዓልቲ ተመሪቑ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ቀዳማዊት እመቤት ወይዘሮ ዝናሽ ታያቸው፣ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ፣ ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ኦሮሚያ ዶክተር ቶላ በርሶ፣ ኣባ ገዳታትን ዓበይቲ ዓዲን ተረኺቦም።

እቲ ቤት ትምህርቲ 20 ሚሊየን ወፃኢ ዝተገበረሉ እንትኸውን፥ ምምሕዳራዊ ህንፃ፣ መምሃሪ ክፍሊታት፣ ላብራቶሪ፣ ኣቢያተ መፃሕፍቲ፣ መእከቢ ኣዳራሽን መናፅሂ ህንፃታትን ዘሃተተ ኢዩ።

እቲ ቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ሎሚ መዓልቲ ዘመረቖ ቤት ትምህርቲ መበል 12 ኢዩ።

ብፍሬህይወት ሰፊው

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.