Fana: At a Speed of Life!

ብንግዲ ባንኪ ኢትዮጵያ ዲጂታል ኣማራፂታት 2 ነጥቢ 8 ትሪሊየን ብር ዕድጊት ተፈፂሙ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ታሕሳስ ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተትሓዘ በጀት ዓመት ናይ መጀመርታ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ብዲጂታል ኣማራፂታት 2 ነጥቢ 8 ትሪሊየን ብር ዕድጊት ከምዝፈፀመ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ዳይሬክተር ዲቪዥን ማኔጅመንት መርቸንትን ኤጀንትን ዲጂታል ባንኪንግ ብሌን ሃይለሚካኤል÷ ኣብ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ምንቅስቓስ ዲጅታል ዕድጊት ብዝምልከት ገለፃ ገይሮም፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ልዕሊ 12 ሚሊየን ተጠቀምቲ ካርዲ ኤ.ቲ.ኤም፣ ልዕሊ 9 ሚሊየን ተጠቀምቲ ሞባይል ባንኪንግን ልዕሊ 20 ሚሊየን ተጠቀምቲ ሲቢኢ ብርን ዓማዊል ከምዘለዉዎ ተዛሪቦም፡፡

ዲጂታል ኣማራፂታት ዝጥቀሙ ቁፅሪ ዓማዊል እቲ ባንኪ በቢዓመቱ ልዑል ዕቤት እናርአየ ምዃኑ እውን ገሊፆም፡፡

ኣብ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝተትሓዘ በጀት ዓመት ልዕሊ 494 ሚሊየን ዕድጊታት ብዲጂታል ኣማራፂታት ተወጊኖም 2 ነጥቢ 8 ትሪሊየን ብር ዕድጊት ከምዝተፈፀመ ተዛሪቦም።

እቲ ዕድጊት ምስ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን እንትነፃፀር 35 ሚኢታዊ ከምኡ እውን ብገንዘብ መጠን 118 ሚኢታዊ ሓለፋ ከምዘርአየ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.