Fana: At a Speed of Life!

ብኽፋል ተዓፂየን ዝነበራ ስራሕቲ መጋባእያ ኣቢያተ ፍርዲ ፌዴራል ሎሚ መዓልቲ ግልጋሎት ምሃብ ጀሚረን

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብኽፋል ተዓፂየን ዝነበራ ስራሕቲ መጋባእያ ኣቢያተ ፍርዲ ፌዴራል ሎሚ መዓልቲ ግልጋሎት ምሃብ ከምዝጀመራ ተገሊፁ።

ኣቢያተ ፍርዲ ፌዴራል ካብ ወርሒ 10 መጋቢት 2012 ዓ.ም ጀሚረን ስራሕቲ መጋባእያ ብኽፋል ዓፂየን ከምዝነበራ ይፍለጥ።

ብመሰረት እዚ ካብ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚረን ኣብ ኩለን ኣቢያተ ፍርዲ፤ ናይ መልሲ መልሲ፣ ርኢቶ፣ ውፅኢት ማእዘዝቲ ንምቕባል ዝተቖፀሩ ከምኡ እውን ዕልባት ንመሃብ ውሑድ ከይዲ ዝተረፎም ጉዳያትን እሱራት ዘለዉዎም መዛግብቲን ኣብ መዓልቲ ቆፀሮኦም ንምስትእንጋድ ምስራሕ ጀሚረን ኣለዋ።

ኣቐባሊ ቓል ቤት ፍርዲ ፌዴራልን ምክትል ፕሬዚዳንት ቀዳማይ ብርኪ ቤት ፍርዲ ፌዴራልን ኣይተ ተስፋዬ ነዋይ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዘገለፁዎ፥ዝረኣዩ ጉዳያት ህፁፃት ምዃኖም ብዳያኑ፣ ቤት ፍርዲን በቢብርኩ ዝርከቡ ኣመራርሓታትን ዘይእመነሎም እንተኾይኖም ንዝቕፅል ዓመት ቆፆሮ ከምተሓዘሎም ኣብሪሆም።

ብተወሳኺ እተን ኣቢያተ ፍርዲ ሓደሽቲ መዛግብቲ ማለት እውን መዛግብቲ ቀጥታ ክሲ፣ ሕቶ ይግበአኒን ኣፈፃፅማን ካብ 1 ክሳብ 30 ነሓሰ 2012 ዓ.ም ምርኣይ ክጅምራ ኢየን።

ሰበር ሰማዒ መጋባእያ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ብዝምልከት ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዝርከቡ ሰብ ጉዳያት ዝቐርቡ ስምዕታታት ክተኣናገዱ ኢዮም ተባሂሉ።

ካብ ክልል ንዝመፅኡ ጉዳያት ሰበር ድማ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል እንትበሃል እቲ ቤት ፍርዲ ተለዋጢ ኣንፈት ስራሕ ኣብ ዝህበሉ ኣብ ቀፃሊ እዋን ከምዝተኣናገዱ እቶም ኣቐባሊ ቃል ገሊፆም።

ኣብ ኩሉ ብርኪ ዝርከባ ኣቢያተ ፍርዲ ዝወሃቡ ግልጋሎታት ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ዝወፅአ ደምቢ ተኸቲሎም ከምዝወሃቡ እውን ኣገንዚቦም።

ብታሪኽ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.