Fana: At a Speed of Life!

ብዘይሕጋዊ መገዲ እናተዘዋወረ ዝነበረ ልዕሊ 4 ሺሕን 600 ተተኮስቲ ጠያይቲ ከላሽንበ ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብዘይሕጋዊ መገዲ እናተዘዋወረ ዝነበረ ልዕሊ 4 ሺሕን 600 ተተኮስቲ ጠያይቲ ከላሽንበ ተታሒዞም።

ትማሊ ካብ መቐለ ናብ ከተማ ባህርዳር እናተጉዓዘት ዝነበረት ኣይፉዙ ማእኸላይ ፅዕነት ኤፍኤስኣር ተሸከርካሪት፥ ብሰራሕተኛታት ጉምሩኽ ኣቢሉ ኣብ መቆፃፀሪ ጣቢያ ወልዲያ ብዝተገበረ ፍተሻ ኢዮም ተታሒዞም።

እቶም ዘይሕጋዊ መሳርሒታት ሓቢኦም ንምሕላፍ ዝፈተኑ ኣሽከርከርቲ ሓዊሱ ኣርባዕተ ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም ተወሳኺ ምፅራይ እናተገበረሎም ይርከብ፡፡

ኣብ ቤት ፅሕፈት መቆፃፀሪ ጣቢያ ወልዲያ፥ ሓደ ሰሙን ኣብ ዘይመልእ እዋን ጥራሕ ልዕሊ 10 ሺሕን 600 ተተኮስቲ ጠያይቲ ብዘይሕጋዊ መገዲ እንትንቀሳቐሱ ከምዝተትሓዙ ካብቲ ቤት ፅሕፈት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.