Fana: At a Speed of Life!

ብዘይ ግልጋሎት ንዘበናት ኣብ ዝነበረ ቦታ ዘበን ዘይስዕሮ ስራሕ ተሰሪሑ – ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብዘይ ዝኾነ ይኹን ግልጋሎት ንዘበናት ኣብ ዝነበረ ቦታ ዘበን ዘይስዕሮ ስራሕ ሰሪሕና ክብላ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ኣዲስ ኣበባ ፒያሳ ዝተሃነፀ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ መሪቖም፡፡

እቲ ምረቓ ስዒቡ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ዘስመዐኦ መደረ÷ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ግልጋሎት ንዘበናት ተሓፂሩ ኣብ ዝነበረ ቦታ ዘበን ዘይስዕሮ ስራሕ ክስራሕ ከምዝተገበረን ነዚ ድማ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘበርከቱን ኣብሪሀን፡፡

ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ንታሪኹ ብዝምጥን መልክዑ ደረጅኡ ሓሊዩ ከምዝተሃነፀ እውን ተዛሪበን፡፡

ጀጋኑ ዓድዋ ብዘይ ኣፋላላይ ዘመዝገቡዎ ዓወት መረዳእታታት ብግቡእ ብዘይምስናዶምን ስለዘይተዘረበሎምን ምዝባዕ ከምዘሎ ሓቢረን፡፡

ኣብ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ብትኽክለኛ መረዳእታታት ብምክታትን ክፍተታት ታሪኽ ብዝመልእ አግባብን ከምዝተሃነፀ ኣረጋጊፀን፡፡

ንበፃሕቲ ተወሳኺ ዑደት ዝገብሩሉ ቦታ ከምዝኾነ ዝገለፃ እተን ከንቲባ÷ ዝኽ ዓወት ዓድዋ ውፅኢታዊ ንኽኸውን ኣስተዋፅ ንዘበርከቱ ኩሎም ምስጋና ኣቕሪበን፡፡

ብዮሃንስ ደርበው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.