Fana: At a Speed of Life!

ብገበን ተጠርጢሮም ክሲ ቀሪቡሎም ዝነበረ ስቪልን ወተሃደራዊን ኣመራርሓ ህወሓት ክሶም ተቛሪፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብገበን ተጠርጢሮም ክሲ ቀሪቡሎም ዝነበረ ስቪልን ወተሃደራዊን ኣመራርሓ ህወሓት ክሶም ከምዝተቛረፀ ሚኒስቴር ፍትሒ ኣፍሊጡ።

ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌዴራልን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን(ህወሓት) ብመሰረት ዝተፈፀመ ስምምዕ ሰላም ምስቲ ጎንፂ ተዛማድነት ዘለዎም ገበናት ተሓታትነት ጠሚቱ ዘሎ ዓለም ለኻዊ ተመክሮ ተሓሳቢ ብምግባር ኣብ ማዕቐፍ ሽግግር ፍትሒ ክረኣዩ ከምዝግባእ ኣብ ስምምዕነት ምብፅሑ ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ብገበን ተጠርጢሮም ክሲ ቀሪቡሎም ዝነበረ ስቪልን ወተሃደራዊን ኣመራርሓ ህወሓት ክሶም ብምቁራፅ ጉዳዮም ኣብ ቀፃሊ ማዕቐፍ ሽግግር ፍትሒ ንክረአ ምግባር ኣድላዪ ኮይኑ ከምዝተረኸበ ተሓቢሩ።

ስለዝኾነ ምስ እዚ ብዝተዛመደ ክሲ ቀሪቡሎም ኣብ ከይዲ ሙግት ዝነበሩ ክሲታት ገበን ብኣዋጅ 943/2008 ዓንቀፅ 6 (3) (ሠ) መሰረት ዝተልዓሉ ከምዝኾኑ ካብ ሚኒስቴር ፍትሒ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.