Fana: At a Speed of Life!

ብፁእ ኣቡነ ኤርምያስ ንዝተመዛበሉ ወገናት መውዐሊ በዓል ዝኸውን ልዕሊ 800 ሺሕ ብር ዘውፅእ ሓገዝ ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሊቀ ጳጳስ ሃገረሰብከት ሰሜን ወሎ፣ ደቡብ ወሎን ምምሕዳር ብሄረሰብ ኦሮሞን  ኦርቶ ዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ብፁእ ኣቡነ ኤርምያስ ኣብ ዞባ ደቡብ ወሎ ወረዳ ተሁለደሬ ዝርከቡ ተመዛዘበልቲ ንመውዐሊ በዓል ዝኸውን ልዕሊ 800 ሺሕ ብር ዘውፅእ ሓገዝ ማሕረዲ ከፍቲ ገይሮም።

ብፁእ ኣቡነ ኤርምያስ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኦሮሚያን ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ትግራይን ተመዛቢሎም ኣብ መዓስከር ወረዳ ተሁለደሬ ንዝርከቡ ወገናት እቲ ሓገዝ ኣብ ዘረከቡሉ እዋን ከምዝገለፁዎ፥ ቅድሚ ሕዚ ሓገዝ ንምግባር ኣብ ዝመፅሉ እዋን ዳግም ተመሊሶም ዝኸኣሉዎ ሓገዝ ንምግባር ብዝኣተዉዎ ቃል መሰረት ብምግባር ንተኸተልቲ ክልቲኦም እምነታት መውዐሊ በዓል ዝኸውን ናይ ማሕረዲ ከፍቲ ከምዘበርከቱገሊፆም።

ማሕረሰብ እቲ ከባቢ በቲ ኲናት ዓቕሙ ስለዝተዳኸመ ብዙሕ ክሕግዝ ኣይኽኣል እምበር ሕማቕነት ስደት ብተግባር ስለዝርዳእ ብምምዝባሎም ሓዘን ከምዝስመዖን ኣብ ሃገር ሰላም ንኽመፅእ ኩሉ ንኽፀሊን ኣገንዚቦም።

ተመዛበልቲ ብግደኦም፥ በታ ቤተ ክስቲያንን ብብፁእ ኣቡነ ኤርምያስን ንዝተገበረሎም ሓገዝ ምምስጋኖም ካብ ቤት ፅሕፈት ውሕስና ምግቢን ምክልኻል ሓደጋን እቲ ዞባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.