Fana: At a Speed of Life!

ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ምስ ሚኒስትር ብዙሃነት ኤምሬትስ ሕቡራት ዓረብ ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማዊ ፓትርያርክ ርዕሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ሊቀ ጳጳስ ዘኣክሱም ወእጨጌ ዘመንበረ ተክለሃይማኖት ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ምስ ሚኒስትር ብዙሃነት ኤምሬትስ ሕቡራት ዓረብ ሼኽ ናሃያን ሙባረክ ኣል ናሃያን ዘቲዮም።

ኣብቲ ዘተ፥ ቅዱስ ፓትርያርክ ዑደት ንምግባር ናብ ኣቡዳቢ ብምምፅኦም ከብሪን ሓጎስን ከምዝስመዖም ሼኽ ናሃያን ሙባረክ ኣል ናሃያን ተዛሪቦም።

እቲ ዑደት፥ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤምሬትስ ሕቡራት ዓረብን ዘሎ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ንምጥንኻር እወንታዊ ግደ ከምዘሎዎ ገሊፆም።

ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ብግደኦም፥ መንግስቲ ኤምሬትስ ሕቡራት ዓረብ ንኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ህንፃ ንምህናፅ መሬት ምሃቡ አመስጊኖም።

ንህዝብን መራሕቲን ኤምሬትስ ሕቡራት ዓረብ እወንታዊ ትምኒቶም ምግላፆም ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኤምሬትስ ሕቡራት ዓረብ ዘውፅኦ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.