Fana: At a Speed of Life!

ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ መርቆሬዎስ ቀዳማዊ ፓትሪያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ “እንኳዕ ደስ በሎም” ኢሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መስከረም፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ መርቆሬዎስ ቀዳማዊ ፓትሪያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ብምዃን ብምሿሞም “እንኳዕ ደስ በሎም” ኢሎም።

ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ መርቆሬዎስ ምስ ካልኦት ኣቦታት ብምዃን ኣብ ቤትፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ተረኺቦም ኢዮም ሰናይ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ መርቆሬዎስ፥ “እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ፈሪሓ እግዚአብሔር ካብዘይብሎም ኢድ ኣላቒቐምዋ” ኢሎም።

ንክልተ ተኸፊላ ዝፀንሐት  ቤተክርስቲያን ሓንቲ ምግባሮም ብምዝኽኻር፥   “ናይ ኢትዮጵያ መልከዓ ምድሪ ሓምለዋይ ከልብሱ ኽኢሎም” ብምረባል ፃዕሮም ንኢዶም።

ሕዚ እውን ዝጀመርዎ ክብርን ልዕልናን ኢትዮጵያ ናይ ምሕላው ተግባሮም ንከጠናኽሩ ሓቲቶም።

እታ ቤተክርስቲያን እውን  ብጸሎት ከምእትሕግዞም ገሊፇም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ብግደኦም፥ ”ንዝተውሃበኒ ቡራኬ ደስተኛን ልዑል አኽብሮትን ኣለኒ”  ብምባል ናይቶም ብጹዓን ኣቦታት መልእኽቲ ተቐቢሎም።

ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ፈተና ዘላ ሃገር ከምኾንት ብምዝኽኻር ፤ “ዘጋጠማ  ፈተና ክትሓልፎን ክትስዕርን ኢያ ” ኢሎም።

ኣቦታት  ብፀሎቶም ንክሕግዝዎም እውን ሓቲቶም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.