Fana: At a Speed of Life!

ብ1 ነጥቢ 4 ቢሊየን ብር ዝህነፅ ህንፃ ሓፈሻዊ መምርሒ እዚ ኮማንዶን ኣየር ወለድን እምነ ኹርናዕ ህንፀት ተነቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብ1 ነጥቢ 4 ቢሊየን ብር ዝህነፅ ህንፃ ሓፈሻዊ መምርሒ እዚ ኮማንዶን ኣየር ወለድን እምነ ኹርናዕ ህንፀት ተነቢሩ።

እቲ ህንፃ ኣብ ውሽጢ 400 መዓልቲታት ከምዝዛዘም ዝተሓበረ እንትኸውን÷ ሎሚ መዓልቲ እምነኹርናዕ ናይ ምንባርን ስነ-ስርዓት ክታም ስምምዕነትን ተወጊኑ፡፡

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዝተረኸቡ ላዕለዋይ ኢታማዡር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ÷ “እቲ ህንፃ ዘበናዊን ኩለመዳይን ሰራዊት ንምህናፅ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ሓደ ኣካል ዝኾነ ግዙፍ ፕሮጀክት ኢዩ” ኢሎም።

ሓላፊ ዋና መምርሒ መሃንዲስ ምክልኻል ሌተናል ጄኔራል ደስታ ኣብቼ ብግደኦም÷ እቲ ህንፀት ሰለስተ ዘበናዊ በዓል ኣርባዕተ ደብሪ ህንፃ ሓዊሱ መንበሪ ሓደ ሻለቃ ጦር ዘካተተ ከምዝኾነ ገሊፆም።

እቲ ፕሮጀክት ኮርፖሬሽን ስራሕቲ ኮንስትራክሽን ኢትዮጵያ ብተቛራፃይነት ክሃንፆ ኢዩ፡፡

ዲዛይንን ቁፅፅርን ዋና መምርሒ መሃንዲስ ሰራዊት ምክልኻል ድማ ክቆፃፀሮ ከምዝኾነ ካብ ገፅ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣብቲ መርሃ-ግብሪ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ምክልኻል ወይዘሮ ማርታ ሉዊጂ ፣ ምክትል ላዕለዋይ ኤታማዦር ሹም ጄኔራል ኣበባው ታደሰ ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊት ተረኺቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.