Fana: At a Speed of Life!

ብ65 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ንዝህነፅ ፋብሪካ ዓለባ ስምምዕነት ሊዝ ተፈሪሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብ65 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ንዝህነፅ ፋብሪካ ዓለባ ስምምዕነት ሊዝ ምፍርራሙ ኮርፖሬሽን ፓርክ ልምዓት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ ስምምዕነት፥ ኣብ ቻይና ብዓውዲ ኢንዱስትሪ ዓለባ ውሩያት ካብ ዝበሃሉ ኩባኒያታት ሓደ ምስዝኾነ ሻንግቴክስ ሆልዲንግ ዝተፈረመ ምዃኑ ተገሊፁ።

እቲ ኩባኒያ ኣብ ፓርክ ኢንዱስትሪ ቦሌ ለሚ ቁፅሪ ክልተ ብ65 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ኢንቨስት ከምዝገብር፥ ዋና ፈፃሚት ስራሕ እቲ ኮርፖሬሽን ወይዘሪት ሌሊሴ ለሜ ተዛሪበን።

ህንፀት እቲ ፋብካ ዓለባ ተዛዚሙ ናብ ስራሕ እንትኣቱ ድማ፥ ንልዕሊ 4 ሺሕ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ክፈጥር ኢዩ ተባሂሉ ትፅቢት ይግበረሉ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.