Fana: At a Speed of Life!

ቦርድ መረፃ ንባይቶና ሓዊሱ ን3 ፓርቲታት ፖለቲካ ምስክር ወረቐት ሕጋዊ መረጋገፂ ሰውነት ሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ንባይቶና ሓዊሱ ን3 ፓርቲታት ፖለቲካ ምስክር ወረቐት ምዝገባን ሕጋዊ መረጋገፂ ሰውነትን ሂቡ።

እቲ ቦርድ÷ ኣብ ኣዋጅ መረፃ፤ ምዝገባን ስነ-ምግባር መረፃን ፓርቲታት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ቁፅሪ 1162/2011 ዓ.ም ብመሰረት ዝተውሃበ ስልጣን÷ ‘ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ’ ተባሂሉ ንዝፅዋዕ ሃገር ለኸ ፖለቲካ ፓርቲ መረጋገፂ ምስክር ወረቐት ምዝገባን ሕጋዊ ሰውነትን ሂቡ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ‘ብሄራዊ ምንቅስቓስ ህዝቢታት ኩሽ’ ተባሂሉ ንዝፅዕ ክልላዊ ፖለቲካ ፓርቲን ‘ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ ህዝቢታት ወሎ’ ንዝተብሃለ ሃገር ለኸ ፖለቲካ ፓርቲ ምስክር ወረቐት ምዝገባን ሕጋዊ መረጋገፂ ሰውነትን ምሃቡ እቲ ቦርድ ኣፍሊጡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.