Fana: At a Speed of Life!

ቦርድ መረፃ ዝርገሐ ቫይረስኮሮና ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ኣብ ዘውፀኦ መምርሒ ርእይቶ ህዝቢ ንምቕባል ፃውዒት ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣብ ቀፃሊ ዝግበር 6ይ ሃገራዊ መረፃ ዝህሉ ዝርገሐ ቫይረስኮሮና ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ኣብ ዘውፀኦ መምርሒ ርእይቶ ህዝቢ ንምቕባል ፃውዒት ገይሩ።

ቀንዲ ዕላማ እቲ መምርሒ ኣብ ከይዲ እዋን መረፃ ዝርገሐ ኮቪድ-19 ንምክልኻን ንምቁፅፃርን ኣብ እዋናት ቅድመ መረፃ፣ መረፃ ኣብ ዝግበረሉ እዋንን ድሕሪ መረፃን ምስ በረፃ ተተሓሒዡ ዘለዎም ተግባራት ኩሎም ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ከይውስኹ ምግባር ከምዝኾነ ገሊፁ።

ንኩሎም መዳርግቲ ኣካላት መረፃን እቲ ቦርድን ከምኡ እውን ንመፈፀምቲ ኣካላት መረፃ ክማልኡሎም ዝግብኡ ኩሎም ኣድለይቲ መለክዒታት ኮቪድ-19 ኣንፈታት ትኹረት እቲ ረቂቕ መምርሒ ከምዝኾኑ እውን እቲ ቦርድ ኣፍሊጡ።

ስለዝኾነ ድማ ኣብቲ ረቂቕ መምርሒ ርኢቶ ዘለዎም ኣካላት ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ንሓደ ሰሙን ብኣድራሻ ኢሜይል legal@nebe.org ከምኡ እውን ኣብ ድረ ገፅ ኣቢሎም ንክፍሊ ሕጊ እቲ ቦርድ ምልኣኽ ከምዝኽእሉ ተሓቢሩ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.