Fana: At a Speed of Life!

ተመን ሸርፊ ወፃኢ ብዕዳጋ ክውሰን ምግባር ማለት ምስ ምምሕያሽ ኢኮኖሚ ዝውሰን እምበር ንበይኑ ተግባራዊ ዝግበር ኣይኮነን-መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ተመን ሸርፊ ወፃኢ ብዕዳጋ ክውሰን ምግባር ማለት ምስ ምምሕያሽ ኢኮኖሚ ዝውሰን እምበር ብቅልጡፍ ንበይኑ ተግባራዊ ዝግበር ከምዘኮነ መንግስቲ ኣፍሊጡ።

ዓለም ለኻዊ ትካል ገንዘብ (ኣይ ኤም ኤፍ) ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተጀመረ ሃገር በቆል ምምሕያሽ ኢኮኖሚ ዝውዕል ኣብ ዝቕፅሉ ሰለስተ ዓማውቲ ተግባራዊ ዝግበር ልቓሕ 2 ነጥቢ 9 ቢሊየን ዶላር ኣሜሪካ ከምዘፅደቐ ይዝከር።

እቲ ትካል ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፥ እቲ ልቓሕ ገንዘብ ኢትዮጵያ ናብ ተለዋዋጢ ተመን ሸርፊ ወፃኢ ንምስጋር ንእትገብሮ ጉዕዞ ሓጋዚ ኢዩ ኢሉ።

ሰብ ሞያ ኢኮኖሚ ከምዝብልዎ ድማ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዉሑዳት ሰሙናት ዋጋ ዶላር ናይ ክልተ ብር ወሰኽ ኣርኢዩ ኣሎ።

ብፍላይ ኢትዮጵያ ልቓሕ ገንዘብ 2 ነጥቢ 9 ቢሊየን ዶላር ካብ እትረክብ ንደሓር ብማእኸላይ መዓልታዊ ኣብ ዋጋ ዶላር 10 ሳንቲም ወሰኽ ብምርኣይ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዝነበረ 29 ብርን 50 ሳንቲምን መግዝኢ ዶላር ኣብ ወርሒ ሕዳር 31 ብር መፂሑ ኣሎ ይብሉ።

እዚ እንተቐፂሉ ፀሊም ዕዳጋ ኣብ ምውሳኽን ናህሪ ዋጋ ነዳዲ ክብ ኣብ ምባልን ዘለዎ ዕድል ልዑል ከምዝኾነ እቶም ሰብ ሞያ ይዛረቡ።

እዚ ድማ ኣብ ናብራን ዝቕባበን ኣሉታዊ ፅልዋ ከምዝህልዎ ይገልፁ።

ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ገንዘብ ፌዴሪኢ ዶክተር እዮብ ተካልኝ ንፋና ብሮድ ካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝበልዎ፥ ሸርፊ ወፃኢ ብዝምልከት መንግስቲ ምስ ኣጠቓላሊ ፀገም ማክሮ ኢኮኖሚ ዝፈትሖ እምበር ብተናፀል ንበይኑ ዝግበር ውሳነ የለን።

ዋጋ ዶላር ልክዕ ቅድመ ሐዚ ኣብ ኢትዮጵያ ብመሰረት ዝውሰን ዝነበረ ብሓደ ጊዘ ብምውሳን ዶላር ዝግዘአሉ መጠን ብር ብሓደ ጊዘ ከምዘይዳኸም ሓቢሮም።

እዚ ማለት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ 2003 ዓ.ም ኣስታት 20 ሚኢታዊ ኣብ 2010 ዓ.ም ድማ 15 ሚኢታዊ ዋጋ ዶላር ብብር ብሓደ ጊዘ ብምውሳኽ ዓቕሚ ብር ምድኻሙ ኣዘኻኺሮም።

ይኹን እምበር ኣብዚ ሐዚ እዋን መንግስቲ ከምዚ ዓይነት ተግባር ከምዘይፍፅም ኣብሪሆም።

ኣብ ልዕሊ ማክሮ ኢኮኖሚ ዘሎ ፀገም ብሙሉእነት ንምፍታሕ ፃዕሪ ይግበር ከምዘሎ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር ዴኤታ፥ ተመን ሸርፊ ወፃኢ ብዝምልከት ንበይኑ ከምዘይስተኻኸል ተዛሪቦም።

ድልየትን ኣቕርቦትን ምጥዕዓም ብዝምልከት ድማ ኣቐዲሙ ከምዝስራሕ ሓቢሮም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.