Fana: At a Speed of Life!

ተቛሪፁ ዝነበረ ኣገልግሎት ትራንስፖርት መስመር ጎንደር-መተማ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ተቛሪፁ ዝነበረ ኣገልግሎት ትራንስፖርት መስመር ጎንደር-መተማ ከምዝተጀመረ ዋና ኣዛዚ 8ይ መካናይዝድ ክፍለ ጦር ናስር ኣባዲጋ ገሊፆም።

ብወገን ሽንፋ ብኣርባዕተ ኣንፈት ዝኣተወ ወራሪ ሓይሊ ህወሓትን ተሓባበርቱን ብዝኸፈቱዎ ኲናት፥ ስሩዕ ኣገልግሎት ትራንስፖርት ተቛሪፁ ምፅንሑ እቶም ዋና ኣዛዚ ተዛሪቦም።

መብዛሕትኡ ሓይሊ ፀላኢ ብምድምሳሱን ዝተወሰነ ስግኣት ኣብ ዘለዎም ከባቢታት ግቡእ ሓለዋ እናተገበረን ስለዝኾነ፥ ተቛሪፁ ዝነበረ ኣገልግሎት ትራንስፖርት መስመር ጎንደር መተማ ንኣገልግሎት ክፍቲ ከምዝኾነ ብርጋዴር ጄነራል ናስር ኣባዲጋ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ገሊፆም።

እቲ መስመር ብምዕፃዉ ዜጋታት ካብ ጎንደር ብኣብርሃ ጅራ ናብ መተማ ኣማራፂ ትራንስፖርት ንምጥቃም ተገዲዶም ከምዝፀንሑ ተዛሪቦም፡፡

ብምናለ ኣየነው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.