Fana: At a Speed of Life!

ተነሓናሕቲ ሓይሊታት ሱዳን ሓበራዊ መንግስቲ ንምቛም ተስማዕሚዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 08 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ተነሓናሕቲ ሓይሊታት ደቡብ ሱዳን ብዝተቐመጠ ገደብ ግዘ ሓበራዊ መንግስቲ ንምቛም ከምዝተስማዕምዑ ፕሬዚዳንት ሳልቫ ኪር ተዛሪቦም።

ፕሬዚዳንት ሳልቫኪር ምስ ተቓዋሚኦም ሪክ ማቻር ሓበራዊ መንግስቲ ብምጥያሽ ምስምዕምዖም ኢዮም ገሊፆም ዘለዉ።

እቶም ተነሓናሕቲ ሓይሊታት ብመሰረት ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2018 ዝተበፅሐ ስምምዕ ክልቲኦም መራሕቲ ሓበራዊ መንግስቲ ንከቑሙ ዘቕመጥዎ ገደብ ግዘ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ምዝዛሙ ይፍለጥ።

ይኹን እምበር እቲ ስምምዕ ተፈፃሚ ንክኸውን ተወሳኺ 100 መዓልታት ከምዝሓተቱ ተገሊፁ።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ መዓልታት ኣብ ከተማ ጁባ ተራኺቦም ዘትዮም’ዮም።

ስለዝኾነ ኣብቲ ዝገበርዎ ዘተ ሓበራዊ መንግስቲ ንምቛም ተስማዕሚዖም ተባሂሉ።

ኣብ 2016 ሓበራዊ መንግስቲ ኣጣይሾም’ኳ እንተነበሩ፥ ኣብ ውሸጢ ኣዋርሕ ከምዝፈረሰ ይዝከር።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.