Fana: At a Speed of Life!

ተወዳደርቲ ናይ ብሉፃት ብሉፃት ፋና ላምሮት ፅባሕ ናብ ፍፃመ ንምሕላፍ ብርቱዕ ንሕንሕ ክገብሩ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ተወዳደርቲ ናይ ብሉፃት ብሉፃት መበል ራብዓይ ዙር ፋና ላምሮት ፅባሕ ናብ መዛዘሚ ንምሕላፍ ብርቱዕ ንሕንሕ ክገብሩ ኢዮም

ኣብ ውድድር ፍርቂ ፍፃመ፥ ትዕግስት ኣስማረ፣ ሄኖክ ብርሃኑ፣ ባምላክ ቢያድግልኝ፣ ሃብታሙ ይሄነውን በረከት ደመወዝን ክሳተፉ ኢዮም።

ካብ መንጎ እቶም ሓሙሽተ ተወዳደርቲ ኣብ ናይ ፅባሕ ውድድር ሓደ ዝሰናበት እንትኸውን፥ እቶም ኣርባዕተ ድማ ንውድድር ፍፃመ ምሕላፎም ክረጋገፅ ኢዩ።

ኣብ ዕለታዊ ኣቀራርባ ጥራሕ ጠመተ ዝገበረ ውድድር ፋና ላምሮት ዓቕሚ እናሃለዎም መድረኽ ንዘይረኸቡ ሰብ ውህብቶ መድረኽ ምሃብን ዓውዲ ሙዚቃ ምትብባዕን ዕላማ ዘለዎ ኢዩ።

ኣብ መበል ራብዓይ ውድድር ናይ ብሉፃት ብሉፃት ቀዳማይ ንዝወፅአ 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብር ብሓፈሻ ነቲ ውድድር ድማ 3 ነጥቢ 3 ሚየን ብር ሽልማት ተዳሊዩ ኣሎ።

ካብ ሓሙሽቲኦም ተወዳደርቲ በዓል መን ናብ ፍፃመ ክሓልፉ ኢዮም ዝብል ምስ ዳያኑ ኣድመፅቲን ተመልከቲን ሓፂር መልእኽቲ ፅሑፍ ብምልኣኽ ክውስኑ ኢዮም።

ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ነቲ ንሕንሕ ብፋና ቴሌቪዥን፣ ፋና ኤፍ ኤም 98.1 ፣ ፋና ፌስቡክን ቴሌግራምን ገፃትና ሓዊሱ ብ www.fanabc.com ካብ ሰዓት 6 ቀትሪ ጀሚሩ ብቐጥታ ብምክትታልን ብ8222 ሓፂር መልእኽቲ ፅሑፍ ኮድ ተወዳደርቲ ብምልኣኽ እናተሃደሱ ንክድግፉ ኣንጊድና።

ብለምለም ዮሃንስ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.