Fana: At a Speed of Life!

ትራንስፖርት ባቡር የኢትዮ-ጂቡቲ 3 ነጥቢ 4 ሚሊየን ቶን ወፃእቲን ኣተውቲን ኣቑሑት ምጉዕዓዙ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ማሕበር ኣክሲዮን ትራንስፖርት ባቡር የኢትዮ-ጂቡቲ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓማውቲ 3 ነጥቢ 4 ሚሊየን ቶን ወፃእቲን ኣተውቲን ኣቑሑት ከምዘጓዓዘ ኣፍሊጡ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ ማሕበር ኣክሲዮን ኢንጂነር ጥላሁን ሰርካ ከምዝገለፁዎ፥ ኣብ ቀዳማይ ዓመት 800 ሺሕ፣ ኣብ 2ይ ዓመት 1 ነጥቢ 2 ሚሊየን፣ ኣብ ሳልሳይ ዓመት ድማ 1 ነጥቢ 45 ሚሊየን ቶን ኣቑሑት ምጉዕዓዝ ተኻኢሉ፡፡

ብሓፈሻ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት፥ ልዕሊ 3 ነጥቢ 45 ሚሊየን ቶን ኣቑሑት ከምዘጓዓዓዘ ትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ፀብፂቡ፡፡

ወሰኽ ኣተውቲን ወፃእቲን ኣቑሑት ከምዘሎ ዝገለፁ እቶም ዋና ዳይሬክተር፥ ኣወሃህባ ኣገልግሎት እውን በቢ ዓመቲ ካብ 25 ክሳብ 30 ሚኢታዊ ወሰኽ ከምዘርኣየ ጉዕዞ እቶም ሰለስተ ዓመታት ዕዉት ከምዝነበረ ኣፍሊጦም፡፡

መሳርሒታት ልምዓት፣ ሸቐጣት ንግዲ፣ ትካል ኣገልግሎት ትራንስፖርት ባሕሪ ኢትዮጵያን ናይ ውልቀ ዘፍርን ብኮንቴነራት ዘምፅኡዎም ሸቐጣት ብምጉዕዓዝ ዕዉት ከምዝነበረ እውን ኣብሪሆመ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.