Fana: At a Speed of Life!

ትሽዓተ ሲቪል ማሕበራት ውሽጢ ሃገር መረፃ ንኽዕዘቡ ፍቓድ ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጉንት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ትሽዓተ ሲቪል ማሕበራት ውሽጢ ሃገር መረፃ ንኽዕዘቡ ፍቓድ ከምዝሃቦም ኣፍሊጡ።

እቲ ቦርድ መረፃ ኣብ ኢትዮጵያ “ኣዋጅ መረፃ፣ ምዝገባ ፓርቲታት ፖለቲካን ስነ-ምግባር መረፃን ቁፅሪ 1162/2012” ከምኡ እውን “መምርሒ ኣወሃህባ ፍቓድ ተዓዘብቲ መረፃ ውሽጢ ሃገር፣ ኣሰራርሓን ስነ-ምግባርን ቁፅሪ 5/2012” ዝተደንገገ መሰረት ብምግባር፥ መረፃ  ንምዕዛብ ድሌት ዘለዎም ናይ ውሽጢ ዓዲ ርካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ዕላዊ ምልክታ ብምውፃእን ብምምልማልን ኣብ ቀዳማይ ዙር ን36 ትካላት ኣፍልጦ ምሃቡ ይዝከር፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ድማ መረፃ ምዕዛብ ንኽኽእሉ ኣብ ቀዳማይ ዙር ኣመልኪቶም ካብ ሞንጎ ዘይተመረፁ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ናብቲ ቦርድ ሕቶ ይግበአኒ ብምእታው ሕቶኦም ተራኢዩ ውሳነ ካብ ሞንጎ ዝተውሃቦምን ኣብ ካልኣይ ዙር ከምቢሓዱሽ መመልከቲ ዘእተዉን ትካላትን እቶም ትሽዓተ ፍቓድ ከምዝረኸቡ ገሊፁ፡፡

ብመሰረት እዚ፦

  1. ማሕበረ ሕይወት ኢትዮጵያ – ፎር ሶሻል ዴቨሎፕመንት
  2. ኣልቢር ዴቨሎፕመንት ኤንድ ኮኦፕሬሽን ኣሶሴሽን
  3. ዲጂታል ሮግ ሶሳይቲ ኤክስፐርመንት ግሩፕ
  4. ትካል ምፍታሕ ማሕበራዊ ፀገማት ልምዓትን ስፕሪድ
  5. ማሕበር መናእሰይ ኣዲስ ኣበባ
  6. ሲቪክ ማሕበር ተምሳሌት ሰላምን ለውጢን ሰኔ 16
  7. ፌዴሬሽን መናእሰይ ኢትዮጵያ
  8. ትካል ሓለዋ ልምዓት ኣፍሪካ
  9. ሶሳይቲ ፎር ኢኮ ቱሪዝም ኤንድ ባዮ ዳይቨርሲቲ ኮንሰርቬሽን ፍቓድ ከምዝረኸቡ ካብቲ ቦርድ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ብኻሊእ መዳይ ዝተፈላለዩ ትካላት መረፃ ንምዕዛብ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ፍቓድ እናሓተቱ ከምዝርከቡ ዝሓበረ እቲ ቦርድ፥ ይኹን እምበር አአእዋን መረፃ እናተቓረበ ምስ ምምፅ ተተሓሒዙ እዚ ምልክለታ ካብ ዝወፅአሉ እለት ጀሚሮም ዝቐርቡ ሕቶታት ምቕባል ጠጠው ከምዘበለ ኣፍሊጡ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.