Fana: At a Speed of Life!

ትካል ተራድኦ ጣሊያን ኣብ ምዕራብ ጉጂ ብድርቂ ንዝተጎድኡ ወገናት ዝውዕል ልዕሊ 7 ሺሕ ኩንታል ምሸላ ባሕሪ ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 21 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ትካል ተራድኦ መንግስቲ ጣሊያን ኣብ ምዕራብ ጉጂ ብድርቂ ንዝተጎድኡ ወገናት ዝውዕል 7 ሺሕን 500 ኩንታል ምሸላ ባሕሪ ሓገዝ ከምዝገበረ ቤት ፅሕፈት ተለዓልቲ ልምዓት ስግኣት ሓደጋ እቲ ዞባ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣይተ ኢዮብ ዘሪሁን ንግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ከምዝሓበሩዎ፥ ቼንትሮ ኣዩቲ ፕር ኢትዮጵያ ዝተብሃለ ገባሪ ሰናይ ትካል ንተጎዳእቲ ዝገበሮ ሓገዝ ልዕሊ 18 ሚሊየን ብር ግምት ኣለዎ።

እቲ ሓገዝ ኣብ ወረዳታት መልካ ሶዳ፣ ሱሮ በርጉዳ፣ ገላና፣ ኣባያ፣ ቡሌሆራን ዱግዳ ዳዋን ብድርቂ ጉድኣት ንዝበፅሖም ወገናት እናተኸፋፈለ ምዃኑ ገሊፆም፡፡

ኣብቲ ዞባ ዝናብ ፅያ ዝጅምር ኣብ መፋርቕ ወርሒ መጋቢት ስለዝኾነ፥ ሕፅረት ምግቢን መኖን እንተይተበኣኣሰ ሓገዝ ንኽግበር እቶም ሓላፊ ሓቲቶም፡፡

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.