Fana: At a Speed of Life!

ቻይናውያን ሰብ ሞያ ጥዕና ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያ ቫይረስኮሮና ንምክልኻል እትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ንምሕጋዝ ዝተልኣኹ ቻይናውያን ሰብ ሞያ ጥዕና ሎሚ መዓልቲ ኣዲስ ኣበባ  ኣትዮም።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ 12 ኣባላት ዝሓዘ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብ ዓለም ለኻዊ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ ድማ ሚኒስትር ጥዕና ፌዴሪኢ ዶክተር ሊያ ታደሰ ኣቀባብላ ገይረናሎም።

እቶም ሰብ ሞያ ኣብ ኢትዮያ ኣብ ዝህልዎም ፃንሒት ልምዶም ዘካፍሉ እንትኾኑ፥ ብተወሳኺ እቲ ቫይረስ ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ዘኽእሉ መምርሒታትን ቴክኒካል ምኽሪታትን ንሰብ ሞያ ጥዕናን ትካላት ጥዕናን ክህቡ ኢዮም።

ቻይናውያን ሰብ ሞያ ጥዕና ናብ ቡርኪ ናፋሶ እውን ምልኣኾም ይዝከር።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.