Fana: At a Speed of Life!

ቻይና ምስ ኣሜሪካ ኣደላዪ ናብ ዘይኮነ ንሕንሕ ክትኣቱ ከምዘይትደሊ ኣፍሊጣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቻይና ምስ ኣሜሪካ ኣብ ዝህልዋ ርክብ ኣደላዪ ናብ ዘይኮነ ንሕንሕን ሰሓቦ ጉተቶን ክትኣቱ ከምዘይትደሊ ኣፍሊጣ።

ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ኮሙዩኒስት ፓርቲ ቻይናን ዳይሬክተር ቤት ፅሕፈት ኮሚሽን ጉዳያት ወፃኢን ዝኾኑ ያንግ ጂቺ፥ ኣሜሪካ ብዝተፈላለዩ መገዲታት ኣብ ልዕሊ ቻይና ፅዕንቶ እናገበረት ከምዝኾነት ገሊፆም።

እቲ ኩነታት በዚ ዝቕፅል እንተኾይኑ ምትሕብባር ክልቲአን ሃገራትን ክልተኣዊ ርክብን ናብ መፃብብ ከእቱ ከምዝኽእል ተዛሪቦም፡፡

ያንግ ጂቺ እዚ ዝበሉ ንኣማኻሪ ብሄራዊ ድሕንነት ኣሜሪካ ጃክ ሱሊቫን እንትኸውን፥ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ሉግዘምበርግ ኣብ ዘካየዱዎ 5 ሰዓታት ዝወሰደ ክልተኣዊ ልዝብ ከምዝኾነ ሲጂቲኤን ፀብፂቡ፡፡

ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ንቻይና መዘነኦም ሺ ጂንፒንግ፥ ኣሜሪካ ምስ ቻይና ናብ ዝኾነ ይኹን ንሕንሕን ሰሓቦ ጉተቶን ክትኣቱ ከምዘይትደሊ ምግላፆም ጂቺ ኣዘኻኺሮም።

ካብዚ ሓሊፉ እውን ኣብ ውሽጣዊ ስርዓት ምምሕዳር ቻይና ኢዳ ከምዘይተእቱ ከምኡ እውን ሕቶ ዓርሰ ምምዕዳር ታይዋን ከምዘይድግፉ ብተደጋጋሚ ምግላፆም ኣዘኻኺሮም ኢዮም።

እዚ ቅዋም ኣሜሪካ ብወገን ቻይና ዓቢዪ ቦታ ከመዘለዎን ዝኽበር ከምዝኾነን ያንግ ኣረጋጊፆም፡፡

ድሕሪ እቲ ኣኼባ ክልቲኦም ወገናት ልዝቦም ውፅኢታዊን ዓቢዪን ከምዝነበረ ኣመላኺቱ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.