Fana: At a Speed of Life!

ቻይና ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ፌዴሪኢ ዝኸውን ክትባት ፀረ ቫይረስ ኮሮና ደገፍ ገይራ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 ግንቦት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቻይና ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ፌዴሪኢ ዝኸውን ክትባት ፀረ ቫይረስ ኮሮናን ገንዘብን ደገፍ ገይራ።

ኣብ ርኽክብ እቲ ደገፍ ሚኒስትር ምክልኻል ሃገር ዶክተር ቀነዓ ያደታ ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት መኮንናት ሰራዊት ምክልኻል ከጨሃገር ተረኺቦም።

ዶክተር ቀነዓ፥ መንግስቲ ቻይና ምስ ሰራዊት ምክልኻል ብሓባር ብምዃን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ይሰርሕ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ኣብ ቀረባ እዋን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ ቻይና ኣብ ጎድኒ ኢትዮጵያ ብምዃን ንዘርኣየቶ ቁርፀኝነት አመስጊኖም።

ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ዣዎ ዢያን ብግደኦም፥ ሰራዊት ምክልኻል ቻይና ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ፌዴሪኢ ዝገበሮ ደገፍ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ሕውነት መርኣዪ ኢዩ ኢሎም።

እቲ ወተሃደራዊ ርክብ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል እውን ምግላፆም ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝረከብናዮ ሓበሬታ የረደእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.