Fana: At a Speed of Life!

ቻይና ኣብ ሂዩስተን ዝርከብ ቆንስላኣ ንኽትዓፁ ኣሜሪካ ትእዛዝ ኣመሓላሊፋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቻይና ኣብ ቴክሳ ሂዩስተን ዝርከብ ቆንስላ ቤት ፅሕፈታ ንኽትዓፁ ኣሜሪካ ትእዛዝ ከምዘመሓላለፈት ተገሊፁ።

ቤት ዕዮ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ፥ እቲ ውሳነ ኣእምሮኣዊ ንብረት ኣሜሪካ ንምሕላው ብዝብል ዝተመሓላለፈ ኢዩ ኢሉ።

ቻይና ብግደኣ፥ እቲ ስጉምቲ ፖለቲካዊ ምፍሕጣር ጎንፂ ክትብል ገሊፃቶ።

ኣቐባሊ ቓል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ዋንግ ዌንቢን፥ ውሳነ ኣሜሪካ መደንገፂን ዘይምኽንያታዊን ክብሉ ገሊፆምዎ።

ኣሜሪካ እቲ ቤት ፅሕፈት ቆንስላ ንኽዕፆ ውሳነ ዘመሓላለፈት፥ ኣብ ከባቢ እቲ ቆንስላ ምንነቱ ብዘይተፈለጠ ውልቀሰብ ወረቐት እንተቃፅል ብተንቀሳቓሲ ምስሊ ድሕሪ ምርኣዩ ከምዝኾነ ቢቢሲ ፀብፂቡ።

እቲ ስጉምቲ ካብ ቀደሙ ኣብ ጫፍ ዝነበረ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ናብ ሕቶ ንኸኣቱ ከምዝገበረ ተገሊፁ።

ብፍላይ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ምስ ንግዲን ለበዳ ቫይረስ ኮሮናን ተተሓሒዙ ወጥሪታት ከምዝነበሩ ዝዝከር ኢዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.