Fana: At a Speed of Life!

ቻይና ዝኾነ ይኹን ዓይነት ቴክኖሎጂ ካብ ወፃኢ እንተየእተወት ዝሰርሐተን ኣውሮፕላን ኣብዚ ዓመት ንመሸጣ ክተቕርብ ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቻይና ዝኾነ ይኹን ዓይነት ቴክኖሎጂ ካብ ወፃኢ እንተየእተወት ዝሰርሐተን ሲ 919 ዝተብሃላ ኣውሮፕላናት መገዲ ኣብዚ ዓመት ንመሸጣ ከምተቕርብ ኣፍሊጣ።

ምክትል ዋና መካየዲ ስራሕ መቐመጢኡ ሻንጋይ ናይ ዝገበረ ኮርፖሬሽን ንግዲ ኣውሮፕላን ቻይና ው ዮንግሊያን፥ ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ ልዕሊ ፕሮጀክት ሲ 919 ዘሕደሮ ጉድኣት ምቁፅፃር ከምዝኸኣለን ስራሕቲ ህንፀት ኣውሮፕላን እናካየደ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ኣሜሪካዊ ኩባኒያ መፍረዪ ቦይንግን ኣብ ፈረንሳይ ዝርከብ ኤርባስን ብትሪሊዮን ዝቑፀር ዶላር ኣሜሪካ ኣብቲ ዓውዲ እናንቀሳቐሱ ከምዝነበሩ ሲጂቲኤን ኣዘኻኺሩ፡፡

እዚ ድማ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2025 ሸርፊ ወፃኢ እታ ሃገር ንምድሓን ኩሎም ፍርያታት ኣብ ውሽጢ ቻይና ንምፍራይ ዝሓንፀፀቶ ስትራቴጂ ካብ ብሕዚኡ ዘዕወተ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

እቲ ናይ ቻይና ሲ 919 ኣውሮፕላን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 21 ታሕሳስ 2020 ካብ ግዝኣት ሁቤይ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ውሃን ብምብጋስ ናይ ፈተነ በረረርኡ ከምዝገበረ ተሓቢሩ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.