Fana: At a Speed of Life!

ፅባሕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ሰልፊ ምኽኒያት ብምግባር ንትራፊክ ዕፁው ዝኾኑ መገዲታት ዕላዊ ኮይኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ምስላፎም ዘረጋግፅ ሰልፊ ድጋፍ ፅባሕ ኣብ መስቀል ኣደባባይ ከሳልጡ ኢዮም።

እቲ ሰልፊ፥ ፈጣሪ ራዕዲ ጉጅለ ህወሓት ኢትዮጵያ ንምፍራስ ዝገብሮ ምንቅስቓስ ብምቅዋምን ንሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ካልኦት ሀልውና ሃገር ንምሕላው ነዝተዋፈሩ ኣካላት ፀፅታን ዘለዎም ደገፍ ንምግላፅ ዝዓለመ ከመዝኾነ ተገሊፁ።

ነበርቲ ደጀን ሰራዊት ምዃኖም ንምግላፅ ዘካይድዎ እቲ ሰልፊ፥ ብሰላም ንክዛዘም ምስ ካልኦት መዳርግቲ ኣካላት ብምዃን ኣድላዪ ምድላው ብምግባር ናብ ተግባራዊ ስራሕ ከምዝኣተወ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

ሕብረተሰብ ንናይ ሓባር ድሕንነት እንትበሃል ተፍቲሽ ከምዝህሉ ተሰለፍቲ ኣቐዲሞም ፈሊጦም ነተፍቲሽ ንክተሓባበሩ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ካብ ንጎሆ 11 ሰዓት ጀሚሮም ዝተወሰኑ መገዲታት ንትራፊክ ዕፁው ከምዝኾኑ  እውን ሓቢሩ።

ብመሰረት እዚ፦

  • ካብ መገዲ ኣየር ቦሌ ብሚሊኒየም ኣዳራሽ ናብ መስቀል አደባባይ ዝወስድ መገዲ ደንበል ሲቲ ሴንተር ኦሎፒያ ኣደባባይ
  • ካብ መገናኛ ፣ ሃያ ሁለት ናብ መስቀል አደባባይ ከምኡውን ካብ ቦሌ መድሃኒያለም፣ ኣትላስ ሆቴል ናብ መስቀል አደባባይ ዝወስድ መገዲ ኡራኤል ቤተ-ክርስቲያ ከባቢ
  • ካብ ኣራት ኪሎ ናብ መስቀል ኣደባባይ ዝወስድ መገዲ ባሻወልዴ ችሎት ወይ ፓርላማ መብራት
  • ካብ ቸርችር ጎዳና ናብ መስቀል አደባባይ ዝወስድ መገዲ ቴዎድሮስ ኣደባባይን አገር አስተዳደር መብራት ወይ ኢሚግሬሽን
  • ካብ ተክለ ሃይማኖት ብሜትሮሎጂ መስቀል ኣደባባይ ዝወስድ መገዲ ቤት ዕዮ ሜትሮሎጂ ከባቢ
  • ካብ ተክለ ሃይማኖት ፣ ብጥቁር ኣንበሳ ሆስፒታል፣ ኢሚግሬሽን ብድሕሪት በሪ ጥቁር ኣንበሳ
  • ካብ ጌጃ ሰፈር ፣ ጤና ጥበቃ፣ ብሄራዊ ቲያትር ዝወስድ መገዲ ጎማ ቁጠባ
  • ካብ ሳሪስ ብጎተራ ኣጎና ሲኒማን ኣራተኛ ክፍለ ጦር
  • ካብ ጦር ሃይሎች ፣ ልደታ ፣ ፖሊስ ሆስፒታል ሜክሲኮ ኣደባባይ
  • ካብ ጦር ኃይሎች ፣ ልደታ ፣ ፖሊስ ሆስፒታል ፣ ሜክሲኮ ለገሀር መብራት ዝወስድ መገዲ ለገሃር መብራት ከባቢ ንተሽከርከርቲ ዕፁው ኮይኑ ኣሎ።

ብተወሳኺ ካብ ሎሚ ምሸት ጀሚሩ እቲ ስነ ስርዓት ኣብ ዝፍፀመሉን ዕፁው ኣብ ዝኾኑን መገዲታት ከባቢ ንሓፂር ይኹን ነዊሕ ሰዓት ተሽከርከርቲ ደው ኣቢልካ ምኻድ ኣይፍቀድን።

 

ሕብረተሰብ ሓበሬታ ንምሃብ ወይ ኣገልግሎት ፖሊስ ንምርካብ አንትደሊ  ብ011-1-11-01-11 ወይ ነፃ ስልኪ መስመር 991 ምጥቃም ከምዝኽእል ተገሊፁ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.