Fana: At a Speed of Life!

ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ጁንታ ህወሓት ብምቅዋም ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ምስላፎም ዘረጋግፅ ሰልፊ ድጋፍ ፅባሕ ከሳልጡ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ፈጣሪ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብምቅዋም ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ምስላፎም ዘረጋግፅ ሰልፊ ድጋፍ ፅባሕ ኣብ መስቀል ኣደባባይ ከምዘሳልጡ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

እቲ ሰልፊ፥ ፈጣሪ ራዕዲ ጉጅለ ህወሓት ኢትዮጵያ ንምፍራስ ዝገብሮ ምንቅስቓስ ብምቅዋምን ንሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ካልኦት ህልውና ሃገር ንምሕላው ነዝተዋፈሩ ኣካላት ፀፅታን ዘለዎም ደገፍ ንምግላፅ ዝዓለመ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ስለዝኾነ ካብ ንጎሆ 1 ሰዓት ጀሚሩ ክሳብ ፈርቂ መዓልቲ ሰልፊ ከምዝካየድ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ኮሚኒኬሽን እቲ ምምሕዳር ኣይተ ኣብዲ ፀጋዬ ገሊፆም።

እቲ ሰልፊ ብመሰረት ሕቶ ሀዝቢ ዝካየድ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ብሰላም ምዝዛሙን ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ብዓወት ምዝዛሙን ሓዊሱ ክሳብ ሐዚ ብብርኪ ሃገር ዝተረኸቡ ዓወታት ዝውደስሉ ከምዝኾነ እቶም ሓላፊ ምዝራቦም ኢቢሲ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.