Fana: At a Speed of Life!

ነበርቲ ከተማ ባህር ዳርን ጎንደርን ኣብ ግንባር ማይፀብሪንዝርከባ ኣባላት ሰራዊት ደቂ ኣኒስቲዮ ድጋፍ ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 ጥቅምት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ነበርቲ ከተማ ባህር ዳርን ጎንደርን ኣብ ግንባር ማይፀብሪ ንዝርከባ ኣባላት ሰራዊት ደቂ ኣኒስቲዮ ፅርየት መሐለዊ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ናውቲታት ድጋፍ ገይሮም።

እቶም ናውቲታት ዋግኦም ልዕሊ 50 ሺሕ ብር ዝግመቱ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ነቲ ድጋፍ ዘረከቡ ሓላፊ መምርሒ ኮሚኒኬሽን ዞባ ሰሜን ጎንደርን ኣተሓባባሪ ህዝባዊ ድጋፍ ግንባርን ኣይተ ኣንዳርግ ዘነበ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተገበሩ ዝኾኑ ይኹኑ ኲናታት ደቂ ኣኒስቲዮ ዘይተሳተፋሉ የለን ኢሎም።

ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ዞባ ሰሜን ጎንደር መጥቃዕቲ ንምብፃሕ ኣብ ዝመፅአሉን ኣብ ዝተጠቕዐሉን ጊዘ አብ ግንባር ማይ ፀብሪ ዝርከባ ደቂ ኣኒስቲዮ ኣባላት ሰራዊት ግደአን ልዑል ከምዝነበረ ተዛሪቦም።

እቲ ድጋፍ ዝተረከቡ መራሒ ጉጅለ ጉዳይ ደቂ ኣኒስቲዮ እዚ ምዕራብ ሌ/ኮ ኣትክልት ይግዛው፥ ኣብ ዝርከቡ ዓወታት ኩሎም ደቂ ኣኒስቲዮ ግንባር ቀደም ተሳተፍቲ ኢየን ኢሎም።

 

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.