Fana: At a Speed of Life!

ነበርቲ ዞባ ዳውሮ ጉጅለ ህወሓት ዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ብምኹናን ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም

ኣዲስ ኣበባ ፣10 ሕዳር፣2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ነበርቲ ዞባ ዳውሮ ጉጅለ ህወሓት ዝፈፀሞ መጥቃዕቲን ክሕደት ሃገርን ብምኹናን ኣብ ከተማ ተርጫ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ካብ 10 ወረዳታት እቲ ዞባን ከተማ ተርጫን ዝተውፃእፅኡ ነበርቲ ተሳተፍቲ ኮይኖም።

እቶም ሰልፈኛታት፥ መንግስቲ ኣብልዕሊ እቲ ፅንፈኛ ጉጅለ እናወሰዶ ዝርከብ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ከምዝድግፉ እናገለፁ ይርከቡ፡፡

እቲ ጉጅለ ጥፍኣት ሃገር ንምፍራስ ዝንቀሳቐስ ፀላኢ ስለዝኾነ፥ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ተሰሊፎም ከምዝቃለሱ ብምግላፅ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ዘብፀሖ መጥቃዕቲ ከምዝኹንኑ ዝገልፁ ጭሖታት ኣስሚዖም።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ካብ ሚኒስቴር ሰራዊት ምክልኻልን ክልል ደቡብን ዝተውፃእፅኡ ኣመራርሓታት ተረኺቦም።

እቶም ሰልፈኛታት ንሰራዊት ምክልኻል ዘለዎም ድጋፍ ንምላፅ ሓገዝ ሰንጋታትን ልገሳ ደምን ኣካይዶም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.