Fana: At a Speed of Life!

ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ሱዳን ሳዲቅ ኣል-ማህዲ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈሊዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣17 ሕዳር ፣2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ሱዳን ሳዲቅ ኣል-ማህዲ ብቫይረስ ኮሮና ህይወቶም ከምዝሓለፈ ተገሊፁ።

ሳዲቅ ኣለ-ማህዲ ኣብ ሕቡራት ዒማራት ዓረብ ናብ ሆስፒታል ምስኣተዉ ድሕሪ ሰለስተ ሰሙናት ህይወቶም ከምዝሓለፈ፥ ስድረኦምን ብሄራዊ ፓርቲ ኡማ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ኣፍሊጦም፡፡

ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር 21 ዝኾኑ ስድራ ቤት ኣል-ማህዲ በቲ ቫይረስ ምስተትሓዙ ናብ ሆስፒታል ምእታዎም ተገሊፁ ነይሩ፡፡

ወዲ 84 ዓመት ኣል-ማህዲ፥ ብነበር ፕሬዚዳንት ሱዳን ዑማር ኣልበሽር ዝተመርሐ ዕልዋ መንግስቲ ካብ ስልጣን ክሳብ ዝተወገዱሉ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 1989 ቀዳማይ ሚኒስትር ኮይኖም ምግልጋሎም ይዝከር፡፡

ፍልፍል፡- ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.