Fana: At a Speed of Life!

ነበር ኣምባሳደር ቆንጅት ስነጊዮርጊስ ህያብ 2020 ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ጃፓን ክወሃበን ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣22 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ) ኢትዮጵያዊት ነበር ኣምባሳደር ቆንጅት ስነጊዮርጊስ ህያብ 2020 ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ጃፓን ክወሃበን ኢዩ።

ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ጃፓን ኣምባሳደር ቆንጅት ካብ መንጎ እቶም ሎሚ ዘበን ህያብ ዝወሃቦም ውልቀ ሰባት ሓንቲ ከምዝኾና ኣፍሊጡ።

እቲ ሽልማት ኣብ መንጎ ጃፓንን ካልኦት ሃገራትን ዘሎ ሕውነትን ምትሕብባርን ንክሰፍሕ ዝለዓለ ስራሕ ንዝሰርሑ ውልቀ ሰባትን ጉጅለታትን ዝወሃብ ምዃኑ ተገሊፁ።

በፍላይ እተን ኣምባሳደር ኣብ መንጎ ጃፓንን ኣፍሪካን ናይ ሓባር ምርድዳእ ንክህሉ ንዘበርከትኡ ኣስተዋፅኦ እቲ ሽልማት ከምዝወሃበን መልእኽተኛ ጃፓን ኣብ ኣፍሪካ ኣፍሊጡ።

ኣምባሳደር ቆንጅት ስነጊዮርጊስ ቀዋሚት ተወካሊት ኢትዮጵያ ኣብ ሕብረት ኣፍሪካን ዓለም ለኻዊ ጉባኤ ልምዓት ኣፍሪካን ኣብ ዝነበራሉ እዋን ውፅኢታዊ ስራሕ ከምዝሰርሓ ተሓቢሩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል  FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.