Fana: At a Speed of Life!

ናብ ግቡእ ተዋፊሮም ፅቡቕ ኣፈፃፅማ ንዘርአዩ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማሌ ዕቤት መዓርግ ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ኣይተ ሙስጠፌ መሃመድ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ናብ ግቡእ ተዋፊሮም ፅቡቕ ኣፈፃፅማ ንዘርአዩ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማሌ ዕቤት መዓርግን ሽልማትን ሂቦም።

ብኣይተ ሙስጠፌ መሓመድ ዝተመርሐ ላዕለዋይ ልኡኽ እቲ ክልል ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ተዋፊሮም ብዓወት ኣብ ዝተመለሰ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማሌ ዑደት ገይሩ።

ኣብቲ እዋን ዑደት ድማ ፅቡቕ ኣፈፃፅማ ንዘርአዩ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊእቲ  ክልል ዕቤት መዓርግን ሽልማትን ተዋሂቡ።

ዋና ኣዛዚ ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልል ም/ኮ መሓመድ ኣሕመድ፥ “ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሃገር ንምድሓንን ሰላም ንምኽባርን ብዝፈፀምኩምዎ ጅግንነት ህዝብኹም ኮሪዑልኩም ኢዩ፣ ወታደር ትማሊ ካብ ወፍሪ እንትምለስ ፅባሕ እውን ግቡእ ከምዘሎ ምድላው ናይ ወታደር ስራሕ ኢዩ፥ ኢሎም።

ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ሙስጠፌ መሓመድ ብግደኦም ድሕሪ ለውጢ ፍሉይ ሓይሊ ክብተን ኢዩ ዝብል ወረ ፀረ ለውጢ ብዝኾኑ ሰባት እናተናፈሰ ከምዝነበረን ይኹን እምበር ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት እቲ ፍሉይ ሓይሊ ብዝሰርሖ ስራሕ ህዝቦምን ሃገሮምን ከምዝኾርዐሎም ገሊፆም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ከም ሃገርን ክልልን ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ተሰጋጊርና ኢና ዝበሉ እቶም ርእሰ ምምሕዳር፥ እቲ ሓዱሽ ምዕራፍ ንምትዕንቓፍ እናተንቀሳቐሱ ዝርከቡ ኣካላት ብምህላዎም ሕጊ ንምኽባር ኣብ ዝግበር ስራሕ ናትኩም ግደ ዕዙዝ ኢዩ” ምባሎም መራኸቢ ሓፋሽ ክልል ሶማሌ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.