Fana: At a Speed of Life!

“ናትና ምድላው ንጁንታ እንተይኮነስ ንጋለብቶም ኢዩ” ሌ/ ጀ ባጫ ደበሌ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)”ናትና ምድላው ንተስዓሪ ጁንታ እንተይኮነስ ንጋለብቶም ኢዩ”  ክብሉ ሌተናል ጀነራል ባጫ ደበሌ ኣፍሊጦም።

ዋና ኣተሓባባሪ ስራሕቲ ህንፀት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሌ/ጀነራል ባጫ፥ ኣብ ቡልቡላ ወታደራዊ መሰልጠኒ ምረቓ ምልምል ወታደራት ብምርካብ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

እቶም ሌ/ጀነራል፥ ሃገርና ኢትዮጵያ ፈተና እንተጋጥማ ናይ መጀመሪያ ኣይኮነን ኢሎም።

ናይ ሐዚ ፈተና ፍሉይ ዝገብሮ ብናይ ሃገር ሃፍቲ ሰልጢኖም፣ ነይሮም ናይ ባዕልቶም ጦር ንምውጋእ ናይ መጀመርታ ናይ ውሽጢ ፀላእቲ ምዃኖም ኢዩ ኢሎም።

ናይ ሎሚ ተመረቕቲ ናይዚ ትውልዲ ዋልታ ብምዃኖም ፃውዒት እንትግበረልኩም ኣቦይን ኣደይን እንተይበልኩም ንሃገርኩም ደው ምባልኩም ክብሪን ሞገሰን ይግበአኩም ኢሎም።

“ሎሚ ዝገጠሙና ፀላእቲ ቀደም እውን ምስ ዚያድ ባሬ ዝወገኑ ጁንታታት ኢዮም። ናትና ምድላው ንኣቐዲሙ ዝተስዓረ ጁንታ እንተይኮነስ ንጋለብቱ ኢዩ” ክብሉ ገሊፆም።

ብሓደ እምኒ ዝወረደ ጁንታ ጠበንጃ ተዓጢቐ ኢየ እሞ ኢሉ ስልጣን ክሕዝ ኣይኽእልን ዝበሉ ጀኔራል ባጫ፥ “ንሳቶም ኢትዮጵያ ንምፍራስ ምስ ሰይጣን ክንሰርሕ ኢና ኢሎም፤ ነገር ግን ኢትዮጵያ ክትፈርስ ኣይትኽእልን፣ ምክንያቱ ንሳቶም ዝዋግእዎ ምስ 110 ሚሊየን ህዝቢ ኢዩ” ክብሉ ተዛሪቦም።

እቶም ሎሚ መዓልቲ ዝተመረቑ ምልምል ወታደራት ሃገራዊ ፃውዒት ተቐቢሎም ካብ ዝተፈላለዩ ክፍሊታት ብድልየቶም ተመዝጊቦም ዝመፁ ከምዝኾኑ ኣዛዚ እቲ መሰልጠኒ ኮሎኔል ሰቦቃ በቀለ ገሊፆም።

ብቕዓት ኣካል፣ ወታደራዊ ሰልፊ፣ ተኹሲን ስልቲ ውግእን ዝብሉ ስልጠናታት ተኸታቲሎም ብብቕዓት ዘጠናቐቑ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

 

ብብስራት መንግስቱ

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.