Fana: At a Speed of Life!

ንህወሓት ክበፅሕ ነይሩ ዝተብሃለ 3 ሚሊየን ብር ኣብ ከተማ ቆቦ ተታሒዙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ቆቦ ንግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝበፅሕ ከምዝኾነ ዝተጠረጠረ 3 ሚሊየን ብር ኣብታ ከተማ ብህዝቢ፣ ፖሊስ እታ ከተማ፣ ህዝባዊ ምልሻን ሰራዊት ምክልኻልን ኣቢሉ ትማሊ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሉ፡፡

ተጠርጠርቲ እቲ ገንዘብ ሓቢኦም ንምስግጋር ዝተጠቐሙሉ መገዲ ትፅቢት ዘይግበረሉ ይኹን እምበር፥ ህዝቢ ከተማ ቆቦን ሓይሊ ፀፅታን ዝተዋደደ ክትትል ብምግባር ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ክውዕል ከምዝኸኣለ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ምምሕዳር ከተማ ቆቦ ኣፍሊጡ።

ሕብረተሰብ እቲ ገንዘብ ንኽተሓዝ ንዝተፃወቶ ግደ ፖሊስ ምስጋንኡ ምቕራቡ ካብ ቤት ፅሕፈት ኮሙዩኒኬሽን እታ ከተማ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.